ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ትራምፕ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንምስራሕ ሓጹር ዝተሰማምዕሉ ሰነድ ከምዘየሐጎሶም ገሊጾም


ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክስኮን ሓድሽ ሓፁር ክስራሕ ዝተሰማምዕሉ ሰነድ ኣየሐጎሰንን ኢሎም።ይኹን ደአ እምበር ብሰንኪ እዚ ምስሕሓብ ካልእ ምዕጻው ፌደራል መንግስቲ ከጋጥም ኣይደልን እየ ኢሎም።

ንሶም ነቲ 88 ኪሎ ሜትር ዝርግሓ ንዘለዎ ሓድሽ ሓፁር መስርሒ ዝኸውን 1.375 ቢሊዮን ዶላር ዝሓቖፈ ሕጊ ክፍርሙ ከምዝኽእሉ ትማሊ ሶሉስ ንካብኒኦም ተዛሪቦም።ዛጊት ክሓትዎ ዝፀንሑ ግን 5.7 ቢሊዮን ዶላር እዩ ነይሩ።

“ዲሞክራት ብዝሃቡና ሕጉስ ኣይኮንኩን።ዘሕዝን እዩ።ነታ ሃገር ውዕለታ ኣይገብሩላን ዘለው።ንሃገርና ብኣዚዩ ሕማቕ ኩነታት ይጎድኡዋ እዮም ዘለው።መንግስቲ ክዕፆ ግን ድልየት የብልናን።ኣብ ቀረባ ክትሰምዑዎ ኢኹም።እቲ መሰረታዊ ነገር መንድቕ ሓፁር እዩ።ነቲ መንድቕ ክንሃንፆ ኢና፤ኻልእ ኣገባብ ክንጥቀም ኢና።ኣብዛ ሃገር ብዙሕ ገንዘብ ኣለና።ንገሊኡ ኽፋል እቲ ገንዘብ ተጠቒምና ነቲ ብሃንቀውታ ንደልዮ መንድቕ ክንሰርሖ ኢና።”

ትራምፕ ነቲ ሰነድ እንተድኣ ፈሪሞምሉ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ፌደራል መንግስቲ ከይዕፆ ዝነበሮም ስግኣት ክቕረፍ’ዩ።

XS
SM
MD
LG