ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ኢራን ኣብ ስዑዲ ንዘጋጠመ መጥቓዕቲ ተሓታቲት ዘይምኳና ምግላጻ ከምዝጠራጠሩ ገሊጾም


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንፍርቂ ምህርቲ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ደው ዘበለ ናይ ድሮን ወይ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት መጥቓዕቲ ኢራን ኢድ የብለይን ምባላ ከምዝጠራጠሩ ሎሚ ሶኑይ ገሊፆም።

ፕረ. ትራምፕ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ “ኢራን ቅድሚ ሎሚ ንናይ ኣሜሪካ ድሮን(ሰብ ኣልቦ ነፋሪት) ወቒዓ ምስ ኣውደቐት ኣብ ናይ ኣየር ግዝኣተይ ስለዝኣተወት እየ ወቒዐያ ኢላ።ግን ናብ ግዝኣታ ኣይተፀግዐትን ነይራ።ዓብዩ ሓሶት ምዃኑ እናተፈለጠ ኣብኡ ንቕፅል ኢሎም።ሕጂ ድማ ኣብ ናይ ስዑዲ ዓረብ መጥቓዕቲ ኣይውዓልናሉን ይብሉ ኣለው።ክንርኢ ኢና’’ ክብሉ ፅሒፎም።

ወታደራዊ ወሃቢ ቃል ስዑዲ ኣብቲ መጥቓዕቲ ናይ ኢራን ኣፅዋራት ኣብ ጥቕሚ ምውዓሎም መባእታዊ ውፅኢት ሓቢሩ’ሎ ኢሎም።

ብኢራን ዝሕገዙ ዓመፅቲ ሑቲ ንመዓልታዊ ምህርቲ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ብ5.7 ሚሊዮን በርሚል ክጎድል ዝገበረ መጥቓዕቲ ፈፃሚኡ ኣነ እየ ክብል ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ።ናይ ኣሜሪካ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ማይክ ፖምፒዮ ግን ነቲ መጥቓዕቲ ተሓታቲት ኢራን እያ ኢሎም።

መራኸቢ ብዙሃን ኢራን እቲ መጥቓዕቲ ካብ ደቡብ ዒራቕ ከምዝተፈፀመ ፀብፂበን ኣለዋ።ብሰንኪ እዚ መጥቓዕቲ ዋጋ ነዳዲ ዓለም ወሲኹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG