ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ትራምፕ ንዓወት ባይደን ኣፍልጦ ዝሃቡ ይመስሉ: ብወግዒ ግን ኣይኣመኑን


ፕረዚደንት ትራምፕ፥ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ካብ ዝካየድ ድሕሪ ክልተ ሰሙን፥ ደሞክራት ጆ ባይደን ምዕዋቱ ንመጀመርያ ግዜ ኣፍልጦ ዝሃቦ ይመስል- ግን ሕጂ`ውን ኣይተቐበልክዎን ኢሉ።

ትራምፕ ብተኸታታሊ ኣብ ዝልእኾ ዘሎ ናይ ትዊተር መልእኽትታት፥ እቲ ምርጫ ዝተደናገረ`ዩ ዝብል መሰረት ዘይብሉ ስምዕታታት ምቕራቡ ቀጺሉ`ሎ። ምስዚ ትራምፕ ዝብሎ ዝሰማምዑ ኣሸሓት ደገፍቱ ድማ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣካይዶም ኔሮም።

እቲ ሪፓብሊካን ፕረዚደንት ንዓወት ደሞክራት ጆ ባይደን ብወግዒ ምቕባል ኣብዩ`ሎ።

ኩለን ዓበይቲ መሓውራት ዜና ኣሜሪካ፡ ባይደን ካብቲ ዘድልዮ 270 ናይ ወከልቲ ድምጺ ንላዕሊ ስለዝረኸበ ከም ዝተዓወተን፥ ዝመጽእ ጥሪ 20,2021 ቃለ-ማሕላ ከምዝፍጽምን ይሕብራ`ለዋ። ትራምፕ ግን ብዛዕባ`ቲ ዝተዋህበ ድምጺ ዝተደናገረ ዝብል መረጋገጺ ዘይተረኽቦ ጠቐነ ምቕራቡ ቀጺሉ`ሎ: ትራምፕ ብዛዕባ ባይደን ክዛረብ ከሎ" ስዒሩ ግን እቲ ምርጫ ስለዝተደናገረ`ዩ" ኢሉ ። ንሱ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፥ ተዓዘብቲ ድምጺ ክርእዩ ኣይተፈቕደሎምን፡ እቲ ምቑጻር ድምጺ ድማ በቶም ጽንፋውያን ጸጋማውያን ብዝውነን ዶሚንዮን ዝብሃል ካምፓኒ`ዩ ተኻይዱ፥ ክብል ነቶም መሓውራት ዜና ናይ ሓሶት ሚድያ ክብል ዘሊፍዎም።

ትራምፕ ኣተሓሒዙ፥ "ዝቕበለሉ ምኽንያት የብለይን፥ ነዊሕ ጉዕዞ ኣለና፥ እዚ ዝተደናገረ ምርጭ`ዩ" ኢሉ።

ብኻልእ ወገን፥ ሓለቓ ስታፍ ዋይት ሃውስ ክኸውን ብጆ ባይደን ዝተሰየመ ሮን ክለይን፥ ንናይ NBC "Meet the Press, ክዛረብ ከሎ፥"ናይ ዶናልድ ትራምፕ ትዊት ኣይኮነን ንጆ ባይደን ፕረዚደንት ዝገብሮን ዘይገብሮን፥ ህዝቢ ኣመሪካ ጌርዎ`ዩ" ኢሉ።

ንድምጺ ኣሜሪካ ዝተዛረቡ ኣብ ዙርያ`ዛ ሃገር ዝርከቡ ሰበስልጣን ምርጫ፡ ኣብ መዓልቲ ምርጫን ምቑጻር ድምጽን ገለ ናእሽቱ ጸገማት እንተዘይኮይኑ፥ ንዓወት ባይደን ዝዓጽፍ ዓቢይ ጸገም ኣይረኸብናን ኢሎም።

ኣብ ብርክት ዝበላ ኣገደስቲ ግዝኣታት ኣብ ቤት ፍርዲ ዝስማዕ ጉዳያት`ኳ እንተሃለወ፡ ትራምፕ ነቲ ናይ ምቑጻር ምድንጋር ዝብሎ ድሮ ብቤት ፍርዲ ተነጺግዎ`ዩ።

ሽሕ`ኳ ስዕረቱ ክእምን ኣለዎ ዝብል ሕጊ እንተዘይሃለወ ምእባይ ምቕባል ዓወት ባይደን፥ ኣብ ታሪኽ ዘመናዊ ፖለቲካ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ`ዩ- ። ዝተሳዕሩ ፕረዚደንትታት ኣሜሪካ፡ ነቶም ዝሰዓሩ እንቋዕ ኣሓጎሰካ ይብሉ'ዮም።

ትራምፕ ነቲ ስዕረት ዘይምቕባል ጥራይ ዘይኮነ፥ ሰበስልጣናቱን ትካላት መንግስትን፡ ምስቲ ተመራጺ ፕረዚደንት ከይተሓባበራ`ውን ከልኪሉ`ሎ። እዚ ድማ ብዛዕባ መዓልታዊ መብርሂ ፕረዚድነትን ብዛዕባ ኣብ ዙርያ ዓለም ዝህሉ ስግኣታት ጸጥታን ሓበራታ ስለያን ዘጠቓልል`ዩ።

ንደሞክራቲክ ፓርቲ ክውክል ኣንጻር ባይደን ክሳብ መወዳእታ ዝተወዳደረ ካብ ቨርሞንት ዝተወከለ ሰነተር በርኒ ሳንደርስ፥ ንድሕሪ ምርጫ ዘሎ ባህርያት ትራምፕ ክገልጽ ከሎ፥"ትራምፕ ንደሞክራሲ ኣመሪካ ኣብ ምንእኣስ ኣብ ታሪኽ ካብ ዝኾነ ሰብ ዝተፈለየ መለለዪ ክሕዝ'ዩ" ኢሉ።

ኣነ ክስዓረሉ ዝኽእል እንኮ ምኽንያት እቲ ምርጫ እንተ ተደናጊሩ ጥራሕ'ዩ ዝብል ሓሳቡ ንደገፍቱ ምንጋር ምቕጻሉ፥ ብሓቂ ክብርኻ ዘጉድል ዘይ ኣመሪካዊ ባህሪይ'ዩ ኢሉ ኣስዒቡ ሰነተር ሳንደርስ ብዛዕባ ትራምፕ ከምዚ ኢሉ።

ናይ ትራምፕ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ዝነበረ ጆን ቦልተን ብወገኑ፥ ሪፓብሊካን ንዓወት ባይደን ኣፍልጦ ክህቡ ጸዊዑ'ሎ። ገለ ሪፓብሊካን ተመራጺ ፕረዚደንት ባይደን ክብሉ ኸለዉ፡ዝበዝሑ ድማ ትም ዝመረጹ ወይ ድማ ነቲ ትራምፕ ዝብሎ ምድንጋር ድምጺ ዝድግፉ ኮይኖም ኣለዉ።

ጆን ቦልተን "ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ምርጫ ከምዝተሳዕረን ምድንጋር ኔሩ ዝብሎ ዘሎ ድማ መሰረት ኣልቦ ምዃኑ መራሕቲ ሪፓብሊካን ንወሃብቲ ድምጺ ክገልጹ ይግባእ" ኢሉ ።

ባይደን ምስ ኣማኸርቱ ክራኸብ ቀኒዩ ምናልባት'ውን ኣባላት ካቢንኡ ኣብ ምሕራይ ኣሎ ዝብል ግምት ኣሎ።

ንሱን ምኽትሉ ካመላ ሃሪስን ሎሚ ብዛዕባ ቁጠባ'ዛ ሃገር ኣኼባታት ኣካይዱ'ሎ።

ብኻልእ ወገን ነዚ ፕረዚደንት ትራምፕ ምርጫ ተደናጊሩ ዝብሎ ስምዕታ ዝድግፉ ኣሸሓት ዝሓለፈ ቀዳም ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ሰልፍታት ጌሮም ኔሮም።

ደገፍቲ ባይደን 'ውን ስሩዕ ምስግጋር ስልጣን ብምጽዋዕ ሰልፍታት ኣካይዶም ኔሮም።

ደገፍቲ ትራምፕ ሰልፊ ኣብ ዝገብርሉ ዝነበሩ እዋን ፕረዚደንት ትራምፕ ብመኪና እናሓለፈ ብኢዱ ጌሩ ናይ ታሕጓስ ምልክት ኣርእይዎም'ዩ።

ሓደ ደጋፊ ትራምፕ “እዛ ሃገር ንድምጽና ብምስማዕ ክትሓዊ ተስፋ ንገብር፡ ቅኑዕ ምርጫን ኩሉ ሕጋዊ ድምጺ ብግቡእ ክቑጸርን ንደሊ " ይብል።

ኣብቲ ንትራምፕ ዝድግፍ ሰልፊ ብምዕራባዊ ትምክሕቲ ዝግለጹ proud boys ማለት ሕቡናት ኣወዳት ተባሂሎም ዝፍለጡ የማናዊ ጸግዒ ዝሓዙ'ውን ኣብቲ ሰልፊ ኔሮም፡ ከምኡ'ውን ደቀንስትዮ ንኣመሪካ ነቐድም፥ሚልዮን ማጋ ሰልፊ፥ ከምኡ'ውን ዲስ ምስራቕ ግደፊ ዝብሉ ውዳበታት ኔሮም ።

ምስ ደገፍቲ ባይደን ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ምጽርራፍን ግጭታትን ከምኡ ማእሰርቲ ፖሊስ ኔሩ'ዩ።

እንተኾነ እቲ ኣብ ኣፍደገ ላዕላዋይ ቤትፍርዲ ዝተኻየደ ሰልፊ ብሓፈሽኡ ሰለማዊ'ዩ ኔሩ።

ብኣብያ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተተባብዑ ብዙሓት ደገፍቱ፥እቲ ምርጫ ተደናጊሩ'ዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ኣብ ክፍለ ግዝኣት ጆርጅያ ዝተዋህበ ድምጺ ዝተቐራረበ ስለዝነበረ ካልኣይ ብኣውቶማቲክ ምቑጻርን ድሓር 'ውን ብኢድ ምቑጻርን ተገይርሉ'ዩ።

Act-2

((Cole Ryan, Trump Supporter

“ሓንቲ ዝተደናገረት ድምጺ እንተሃልያ ንዓይ እኽልቲ'ያ፥ እዚ ናይ ምርምር ፕሮጀክት ኣይኮነን፡ ንስታስቲካዊ ኣገዳስነት ኣይኮንኩን ዝርኢ ዘለኹ፡ ንሓንቲ ዝተደናገረት ድምጺ ዜጋታት'የ ዝርኢ ዘለኹ።

መብዛሕቲኦም ክኢላታት ምርጫ ግን ኣብ ገለ ግዝኣታት ዘሎ ሕጋዊ ብድሆታት ንውጽኢት ምርጫ ዝቕይር ኣይኮነን ይብሉ።

ደጋፊት ትራምፕ ዝኾነት ዶና ከይጅ ድማ ትራምፕ ክስዕር ተስፋ ንገብር ኣለና እንተዘይስዒሩ ድማ ዓለም ክትቅጽል'ያ ትብል።

Act 3

((Helen Rey Heller, Trump Supporte)

ሀለን ረይ ሀለን ዝተባህለት ካልእ ደጋፊት ትራምፕ ድማ፥

ፕረሲደንት ትራምፕ እንተ ተቐቢልዎ፡ ንሕና'ውን ክንቕበሎ ኢና ትብል።

ፕረሲደንት ትራምፕ ንዓወት ባይደን ይቀበል ኣይቀበል፥ ተመራጺ ፕረሲደንት ጆ ባይደን፥ ዝመጽእ ጥሪ 20 መበል 46 ፕረሲደንት ዩኤስ ብምዃን ቃለማሕላ ክፍጽም ትጽቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG