ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ . ትራምፕ ንዋይት ሃውስ ኣረኪቦም


ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፣ ሎሚ ረቡዕ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ናብ’ቲ መንበሪኦም ዝርከበሉ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ከይዶም።

ንሶም ነቲ ዋይት ሃውስ እናተባሃለ ዝጽዋዕ ቤት ጽሕፈትን መንበሪን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ቅድሚ ገዲፎም ምብጋሶም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "ፕረዚደንት ኣሜሪካ ምዃን ማለት ኣብ ምሉእ ዕድመ ተመኒኻ ትረኽቦ ክብሪ ማለት’ዩ" ኢሎም።

እንተኾነ ትራምፕ ከምንቡር ኣብ ክንዲ ኣብ ስነ ስርዓት ርኽክብ ስልጣን ምስ ተመራጺ ጆ ባይደን ኣብ ክንዲ ምስታፍ፣ ናይ ገዛእ ባዕሎም ስነ ስርዓት መፋነዊ ኣዳልዮም እዮም።

ቀይሕ ምንጻፍ ተነጺፉሎም፣ 21 ጊዜ መድፍዕ ብምትዃስ፣ ኣስታት 200 ኣጋይሽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም ኣፋንዮምዎም።

XS
SM
MD
LG