ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ንኤርትራ ወሲኾም ኣብ ልዕሊ 6 እገዳ ሕጊ ኢምግሬሽን ኣንቢሮም፡ ኤርትራ ነዚ ሓድሽ ሕጊ ተቓዊማቶ'ላ


ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ናይ ጸጥታ መዓቐኒታት ኣየማልኣን ንዝበሉወን ሽዱሽተ ሃገራት ናይ ኢምግሬሽን ሕጊ እገዳ ከምዘንብር ኣፍሊጡ።

ካብ ኪርጊስታን፣ማይንማር፣ኤርትራ፣ ናይጀሪያ፣ካብ ሱዳንን ታንዛኒያን ናብ ኣሜሪካ ናብ ዝኣትው ኢሚግራንት ገለ ናይ መእተዊ ቪዛታት ሓደሽቲ እገዳታት ከምዘንበሩ ሰበስልጣን ገሊፆም።

ፕረዝዳንት ትራምፕ ነቲ ሕጊ ዝቕፅል ዓርቢ ከምዝፍረመሉን ካብ 21 ለካቲት 2020 ጀሚሩ ድማ ግብራዊ ከምዝኸውን ተፈሊጡ’ሎ።ኣብ ሱዳንን ታንዛኒያን ኣብ ፕሮግራም ቪዛ ሎተሪ/DV/ ከይካፈሉ ዝእግድ መምርሒ ሂቦም ኣለው።


መንግስቲ ኤርትራ ነቲ እገዳ ተቓዊሙዎ’ሎ።ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኣባል ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ጆ ንጉሰን ኬረን ባስን ነቲ እገዳ ተቓዊሞምዎ ኣለው።


ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG