ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ንምትእትታው ሩስያ ብዝምልከት ንፕረ. ፑቲን ዘይምኹናኖም ተገሊጹ


ናይ ኣሜሪካ ፕረዚዳንት ትራምፕ ምስ ናይ ሩሲያ ፕረዚዳን ቭላድሚር ፑትን ኣብ ሀልሲንኪ ኣብዝተራኸብሉ እዋን ምትእትታው ሩሲያ ኣብ ናይ ምርጫ ኣሜሪካ ብዝምልከት ኣልዒሎም ነዊሕ ግዜ ከምዝተዘራረቡ ገሊፆም።ይኹን እምበር ንናይ ሩሲያ መዘንኦም ኣብቲ ጉዳይ ብቐጥታ ኣይንቐፉዎምን።

ክልቲኦም መራሕቲ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ፕረ. ትራምፕ ‘’ኣብቲ ናይ ሎሚ ልዝብና ሩሲያ ኣብ ምርጫና ጣልቃ ምእታዋ ብዝምልከት ኣልዒለዮ እየ።እቲ መልእኽቲ ብዝግባእ ተመሓላሊፉ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ’’ኢሎም ።

ምስ ፕረ.ፑቲን ዘካየድዎ ልዝብ ብፅቡቕ ከምዝተኻየደ እውን ሓቢሮም።ፑቲን ብወገኖም እቲ ልዝብ ግልፅነት ዝነበሮ ዕዉት ነይሩ ኢሎምዎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG