ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ናይ መወዳእታ ጻውዒት ንምህናጽ መንደቕ ኣብ መደረኦም ኣቕሪቦም


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ሶሉስ ኣብ ዝሃብዎ ሃገራዊ መደረ ዋሕዚ ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ንምጉዳል ኣብ ደቡባዊ ዶብ’ታ ሃገር መንደቕ ክህነጽ ንዝብል መደቦም ዘለዎም መርገጺ ነቕ ከምዘይብል ደጊሞም ብምርግጋጽ ዳግማይ ምዕጻው ኣብያተ ጽሕፈት ፈደራል መንግስቲ ከጋጥም ከምዝክእል’ውን ኣጠንቒቆም።

“እቲ መንደቕ ክህነጽ ክገብር’የ።” ክብሉ ቃል ዝኣተው ፕረዚደንት ትራምፕ ንምህናጽ እቲ መንደቕ ዘድልይ ገንዘብ እንተዘይጸደቐ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክእውጅ’የ ንዝብል ሓሳቦም ግን ኣብቲ ናይ ትማሊ ምሸት መደረኦም ኣየልዓሉን።

ምህናጽ’ቲ መንደቕ ካብ ወፍሪ ምርጫ ጀሚሮም ቀንዲ አጀንዳ ጌሮም ዘቕረቡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ዝበዝሐ ክፋል መደረኦም’ውን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዮም ኣልዒሎም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ብተወሳኺ ኣብ መደረኦም ንሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን`ውን ጻውዒት ኣቕሪቦም።ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ብተደጋጋሚ ንአባላት መቐናቕንቶም ፓርቲ ብምትሓትን ዝተፈላለዩ ስም ዝጽውዑ ዝጸንሑ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እዚ ናይ ትማሊ ጻውዒት ብአባላት ዲሞክራቲክ ፓርቲ ማዕረ ክንደይ ተሰማዕነት ከምዝህልዎ ንጹር ኣይኮነን።

ግብረ መልሲ አባላት ዲሞክራቲክ ግሉጽ እኳ እንተዘይኾነ ፕረዚደንት ትራሞፕ ኣብዚ ሕጂ ‘ዋን ኣብ ወከልቲ ህዝቢ ዘገልግላ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘመጎስሉ ጊዜ ደቂ ኣንስትዮ አባላት ኮንግረስ ካብ መነበረን ደው ብምባል “ኣሜሪካ፡ኣሜሪካ..” ክብላ ጭርሖን ኣስሚዐን ኔረን።

ኣብታ ሃገር ንዝረአ ዘሎ ቁጠባዊ ዕብየት ኣብ ናይ ትማሊ መደረኦም ዝነአዱ ፕረዚደንት ትራምፕ እዚ “ቁጠባዊ ተአምር” ደው ከብሎ ዝኽእል “ ዘይጠቅም ኹናት፡ ፖለቲካን ትርጉም ዘይብሉ መርመራታትን’ዩ” ኢሎም።

“ሰላምን ሕጊን ክህልው እንተኾይኑ ኹናትን መርመራን ክህልው ኣይግባእን ክልቲኡ ብሓንሳብ ኣይሰርሕን” ንዝበልዎ ድማ ዝረኸቦ ግብረ መልሲ ስቕታ’ዩ ኔሩ።

ሩስያ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ 2016 ምትእትታው ኔርዋ ንዝብልን ኣብ መንጎ ሞስኮን ወፍሪ ምርጫ ፕረዚደንት ትራምፕ ምትእስሳር ኔሩ’ዶ ዝብል ጸብጻብ ዝኻየድ መርመራ ኣብ ቀረባ ጊዜ ክዛዘም ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ መበል ሳልሳይ ዓመት መዝነቶም ኣብ ዝጀምርሉ እዋን ቑጠባ ኣሜሪካ 2.6 ሚልዮን ናይ ስራሕ ዕድል ኣብ ዓመተ 2018 ምውሳኹ ይግለጽ ኣሎ። እዚ ድማ ካብ 2015 ጀሚሩ ዝዓበየ ዝተመዝገበ ዕብየት’ዩ ፡ እንተኾነ ግን ኣስታት 22 ትሪልዮን ዝጽጋእ ዘሎ ሃገራዊ ልቓሕ ኣሜሪካ ዘሻቕሎም ወገናት ኣይተሳእኑን።

ንንግዲ ምስ ቻይና ብዝምልከት ፕረዚደንት ትራምፕ ክልቲኦም ወገናት ክሳብ መጋቢት 1 ኣብ ሓደ መረዳእታ እንተዘይበጺሖም ካብ ቻይና ንዝኣትው ኣቑሑት ቀረጽ ከምዝውስኹ ሓቢሮም።

ኣብ መዳይ ፖሊስ ወጻኢ ጉዳያት ብዝምልከት ምስ ሰሜን ኮርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሓደ ካብ ኣወንታዊ ውጽኢታት ምምሕዳሮም ምዃኑ ብምግላጽ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ የካቲት ኣብ ቬትናም ተራኺቦም ክዘራረቡ ምዃኖም ገሊጾም። ይኹን ደአ እምበር ዝተርፍ ብዙሕ ከምዘሎ ግን ኣይሓብኡን።

ብምውሳኽ ኣብዚ መዳይ ካብ ዝተረኸበ ኣወንታዊ ውጽኢት ዝበልዎ ኣብ ኣፍጋኒስታን ምስ ጣሊባን ንዝተኻየደ ልዝብ ሰላም’ውን ገሊጾም።ብምቕጻል ሃገሮም ኣንጻር ዳዒሽ ዝካየድ ቃልሲ ከምትቅጽሎ ብምሕባር ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ኣስታት 2,000 ወታሃደራት ንምስሓብ ዘለዋ መደብ ሓቢሮም።

ድሕሪ መደረ ትራምፕ ንግብረ መልሲ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ዘስምዓ ኣመሓዳሪት ክፍለ ግዝኣት ጆርጅያ ንምዃን ተወዳዲረን ዝነበራ ስቴሲ ኣብርሃም እየን።

ብመሰረት ግብረ መልሲ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝመደብዎ ምህናጽ መንደቕ ብዝምልከት ካብ ዲሞክራቲክ ኣወንታዊ መልሲ ዝረኽቡ ኣይመስልን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG