ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ሓሙስ ናብ ዶባት ኣሜሪካን ሜክስኮን ተጓዒዞም።ብዛዕባ ድሕነት ዶብን ምዕፃው መንግስትን ምስ መራሕቲ ዲሞክራት ፓርቲ ዝግበር ልዝብ ፍፁም ምብኻን ግዜ እዩ ኢሎም ድሕሪ ምዝራቦም ዘይሕጋዊ ስደት ንምክልኻል ንዝገበሩ ፃዕርታት ንምዕዛብ ናብቲ ቦታ ምብጽሖም ተገሊጹ’ሎ።
ናብ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ቅድሚ ምብጋሶም ፕረዚደንት ትራምፕ ብቲዊተር ኣብ ዝፅሓፉዎ መልእኽቲ ዋላ’ዃ ናይ ሓሶት ማዕኸናት ዜና ካልእ ምስሊ ክህብዎ ይፍትኑ እንተሃለው እውን ብዛዕባ ምዕፃው መንግስቲ ኣብ መንጎ ሪፓብሊካዊያን ኣባላት ቤት ምኽሪ ‘’ዓብዪ ሓድነት’’ኣሎ ኢሎም።
ውሑዳት ሪፓብሊካዊያን ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተዓፅው መንግስታዊ ኣብያት ዕዮ ዳግም ንዘይምኽፋት ምእባዮም ኣብ ሕቶ ኣእትዮምዎ ኣለው።ን20 መዓልታት ዝተዓፅወ መንግስቲ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ካልኣይ ዝነወሓ ጊዜ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ዝተዓጽወሉ እዩ።ሓዱሽ ክብረ ወሰን ንምስባር ክልተ መዓልታት ተሪፉዎ’ሎ።800 ሽሕ ሰራሕተኛታት ፌደራል መንግስቲ ተገዲዶም ዓሪፎም ወይ ብዘይክፍሊት ይሰርሑ ኣለው።ይኹን ደአ እምበር ኩሎም ሰራሕተኛታት ፈደራል መንግስቲ ኣሜሪካ ግን ፅባሕ ዓርቢ ክኽፈሎም ዝነበረ መሃያ ኣይረኽቡን እዮም።