ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ናብ ደንማርክ ክገብርዎ ዝመደቦዎ ዑደት ሰሪዞምዎ


ቀዳመይቲ ሚንስተር ደንማርክ መቲ ፍረደሪክሰን ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ደንማርክ ክገብሮ ዝመደቦ ዑደት ምስራዙ ኣሕዚኑኒ ኢላ- ።

ፕረዚደንት ትራምፕ መገሽኡ ዝተሰረዘ፡ ንግሪንላንድ ክዕድጋ ድንዕ ምባሉ፡ እታ ቀዳመይቲ ሚንስተር ምስ ኣውገዘቶ`ዩ። ግሪላንድ ኣብ ኣርክቲክ ትርከብ ሃገር ኮይና ኣካል ንግስነት ደንማርክ እያ።

ንፕረዚደንት ትራምፕ ንምቕባል ጽቡቕ ምቅርራብ ኢና ክንገብር ጸኒሕና ትብል እታ ቀዳመይቲ ሚንስተር ደንማርክ : ኣብ ኮፐን ሃገን ንሪፖርተራት ኣብ ዝሃበቶ ቃለ-መጠይቕ፡ ጽቡቕ ምሕዝነት ኣመሪካን ደንማርክን ንምጽንባል ጽቡቕ ኣጋጣሚ`ዩ ኔሩ ኢላ። ኣብ መንጎና ዘሎ ናይ ሓባር ረብሓታት ክንዝትየሉ`ውን ተገዲስና ኔርና ኢና ትብል ኣስዒባ።

ትራምፕ፡ እቲ ንመስከረም 2-3 ሓሲብዎ ዝነበረ መገሻ ትማሊ ምሸት`ዩ ሰሪዝዎ- ንሱ ኣብ ዘረብኡ፡ ደንማርክ ኣዝያ ብልጽቲ ሃገር`ያ ንፉዓት ሰባት`ውን ኣለውዋ- ነገር ግን ቀዳመይቲ ሚንስተር ደንማርክ፡ ብዛዕባ ምዕዳግ ግሪንላንድ ክትመያየጥ ብዘይምድላያ፡ እቲ መገሻይ ንኻልእ ግዜ ኣናዊሐዮ ኣለኹ ኢሉ።


ቀዳመይቲ ሚንስተር ፍረደሪክሰን፡ ብወገና፡ ብዛዕባ መሸጣ መሬት ግሪንላን፡ ንድልየት ትራምፕ ንጎኒ ምግዳፋ፡ ንጽቡቕ ምሕዝነትና ዝቕይሮ ኣይኮነን፡ ኣብ ጸጥታ፡ ኣብ ኣርክቲክ ዘለና ሓባራዊ ናይ ልምዓት ተግባራት ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ `ዩ ኢላ።

ገለ ኣባላት ፓርላማ ደንማርክ፡ ንምስራዝ መገሻ ትሩምፕ ብበሊሕ ይነቕፍዎ ኣለዉ።ሚካኤል ኤንሰን ዝተባህለ ኣባል ፓርላማ ደንማርክ ካብ ሓደ ቀረባ መሻርኽቲ ከምዚ ክትሰምዕ ዘሕንኽ `ዩ- ትራምፕ መባእታዊ ዝኾነ ዲፕሎማሲያዊ ፍልጠት ይሓጽሮ`ዩ ኢሉ ።

ሚንስተር ንግዲ ደንማርክ ዝነበረ ራስሙስ ጃርሎቭ ዝተባህለ ብወገኑ፡ ትራምፕ ንሓደ ክፋል ሃገርና ንመሸጣ ክሓስብ ኣበየናይ ፕላነት ይነብር ከምዘሎ እንድዒ- ኢሉ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ቀረባ እዋና ብዛዕባ ንግሪንላንድ ምዕዳግ ከተንብህ ጸኒሑ`ዩ። ሰበ-ስልጣን ደንማርክ ግን፡ ግሪንላንድ ንመሸጣ ኣይኮነትን ይብሉ ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG