ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ቻይና ኣብ ምርጫ ኣሜሪካ ኣትያ'ያ ክብሉ ከሲሶም


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃብዎ ስፊሕ ጋዜጣዊ መግለጺ ጸረ ውዕል ኑክሌር ኢራን ብምሕያል ከምዘድልይ ብምግላጽ ቻይና ኣብ ምርጫ ኣሜሪካ ጣልቃ ኣትያ’ያ ክብሉ ከሲሶም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ዝተዛረቡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት’ዩ።

ሓሓሊፎም ምስ ሪፖርተራት ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቕ ፕረዚደንት ትራምፕ በቲ ምስ ቻይና ዝግበር ልዝብ ንግዲ ኣሜሪካ ሕጉስቲ ኣይኮነትን ኢሎም። ንረብሓታት ኣሜሪካ ንምሕላው’ውን ቀረጽ ከምዝተጠቅሙ ተዛሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፕረ. ትራምፕ ቻይና ኣብ ምርጫ ኣሜሪካ ኣትያ'ያ ክብሉ ከሲሶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:20 0:00

XS
SM
MD
LG