ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፥ 'ናብ ስራሕና ክንምለስ ኣለና` ብምባል ነዛ ሃገር ክሳብ ሚያዝያ 12 ክኸፍት ከምዘደሊ ንኣመሪካውያን ነጊሩ።
ትማሊ ኣብ ተሌቪዥን ዝተዛረበ ፕረዚደንት ትራምፕ፥ እዛ ሃገር ክሳብ ፋሲካ ክትክፈት ደስ ይብለኒ ኢሉ።
ፕረ. ትራምፕ “ሃገርና ከምዚ ክትከውን የብላን- ሓቦን ብርትዐን ህዝብና ምሉእ`ዩ ዘሎ- ኣብ ገዛ ኾነ ኣብ ኣፓርታማ ክዕጸዉ ኣይደልዩን`ዮም- ብኸምኡ ዝተሃነጽና ኣይኮናን- እቲ ምሕካም ንባዕሉ ካብቲ ጸገም ዝኽፍእ ክኸውን ኣይደልዮን-ሃገርና ሸጊጥና ክነዕንዋ የብልናን" ኢሉ ትማሊ ሰሉስ።
ዋይትሃውስ`ውን ብፍላይ መንእሰያት ናብ ስራሖም ንክምለሱ ንምግባር ምፍኳስ ሓጹራት ክእዝዝ ይመዝኖ`ሎ- ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ ኣብ ኣሜሪካ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተሓዙ ብምብዝሑ፥ እታ ሃገር ድሕሪ ቻይናን ጣልያን ማእከል ቫይረስ ኮሮና ክትከውን ትኽእል`ያ ክብል የጠንቅቕ።
ዕዳጋት ኣክስዮን ኣመሪካ ግን ምኽንያት እቲ ብሰነት ዝጸድቕ ዘሎ 2 ትሪልዮን ዶላር መበራበሪ ኤኮኖሚ ኣመሪካ ትማሊ ንላዕሊ ምውንጫፍ`ዩ ኣርእዩ-።
ብኻልእ ዜና፡ ኣልኮላዊ መስተ ዘፍርያ ዝነበራ ፋብሪካታት ኣመሪካ- ንምርካቡ ኣጸጋሚ ኮይኑ ዘሎ ጸረ-ባክተርያን ቫይረስን መወላወሊ ፈሳሲታት ሳኒታይዘር ናብ ምፍራይ ይቕይራ`ለዋ- ።
ኣብ ቻይና ድማ፥ ሮቦት ማለይ ሰብ-ኣልቦ ማሺናት ኣንጻር ቫይረስ ኮሮና ዓጢቐን ኣለዋ- ካብ ምጽርራይ ጀሚረን ክሳብ መግቢ ምብጽጻሕ- ብፍላይ ኣብዚ ሰባት ንሰራሕ ከይከዱ ኣብ ገዝኦም ተዓጽዮምሉ ዘለዉ እዋን።
ኣብ ዙርያ ዓለም ኣህዛብ ኣብ ገገዝኦም ተደሪቶምሉ ኣብ ዘዘለውሉ እዋን፥ ደርፍትን ስነ-ጥበበኛታትን በብዓቕሞም ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ኣፍልጦ ህዝቢ ንምስፋሕ ብደርፍታቶምን ካልእን ይሳተፉ`ለዉ- ሓደ ካብኦም -ኡጋንዳዊ ደራፋይ ባቢ ዋይን ሓደ ኮይኑ`ሎ- ባቢ ዋይን ኣብ ፓለቲካ ኡጋንዳ ኣትዩ`ውን ንፕረዚደንትነት ኣብ ምርጫ ንክስዕር ዝቃለስ ዘሎ`ዩ-ንሱ ኩሉ ግዳይ- ኩሉ ፍታሕ-ክኸውን ይኽእል`ዩ-ስለዚ ነዚ ነገር ኣቕሊልና ኣይንርኣዮ ዝብል ዜማ`ዩ ዘርጊሑ`ዘሎ።