ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ትራምፕ በቲ ኣብ ህንጻ ቤት ምክሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዘጋጠመ ጎንጺ ምብስጫዎም ገሊጾም


ፕረዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን ደገፍቶም ንካፒቶል ሂል ብምውራር ብዝፈፀሙዎ ዓመፅ ፣ ሕጊ ኣልቦነትን ህውከትን ከምተበሳጨዉ ሓሙስ ምሸት ኣብዝፈነዉዎ ቪድዮ ተዛሪቦም ።

ብኻልእ ወገን ትራምፕ ካብስልጣኖም ይውረዱ ዝብል ጎስጓስ ሪፐብሊካንን ዲሞክራትን እናወሰኸ ይመፅእ ኣሎ ።

ፕረዝዳንት ትራምፕ ኮንግረስ ውፅኢት ምርጫ ከምዘፅደቆ ገሊፆም እዮም ።እንተኾነ ግን ከምቲ ንቡር ንተመራጺ ፕረዝዳንት ጆ ባይደን እንኳዕ ደስበለካ ክብሉ ኣይደለዩን።

" ኣብዚ እዋን ናተይ ጠመተ ስርዓቱ ዝሓለወ ፣ ሰላማዊ ዝኾነ ናይ ስልጣን ስግግር ክህሉ ምግባር እዩ " ኢሎም ። ኣቀዲሞም ባይደን ሓሙስ ንጉሆ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ንፕረዚደንት ትራምፕ ብምውቃስ ብዛዕባ እቲ አባላት ኮንግረስ ትራምፕ ዓመፅ ክልዓል ብዝፈፀሙዎ ምልዕዓል ካብ ስልጣኖም ይለዓሉ ዝብል ጎስጓስ ግና ዝበልዎ ነገር የለን ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG