ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ትራምፕ ምውሃብ ነባሪ መንበሪ ፍቓድ ን60 መዓልቲ ደው ዘብል ሓዲሽ ትእዛዝ ፈሪሙ


ፕረዚደንት ትራምፕ ምውሃብ ነባሪ መንበሪ ፍቓድ (ግሪን ካርድ )ን60 መዓልቲ ደው ዘብል ሓዲሽ ትእዛዝ -ትማሊ ረቡዕ ፈሪሙ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ንብዙሓት ዝምልከት ኣይኮነን።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ እዋን ቫይረስ ኮሮና ንዕድላት ስራሕ ኣመሪካውያን ንምዕቃብ ዝተወሰደ ስጉምቲ ከም ዝኾነ ገሊጹ`ሎ።

ትራምፕ ነቲ ትእዛዝ ክፍርም ከሎ “ ኣሜሪካውያን ስራሕ ክህልዎም ኢና ንደልይ -ኣሜሪካውያን ሓለዋ ጥዕና ክህልዎም ኣለዎ- መጀመርታ ንዜጋታትና ክንርኢ ኣለና-እዚ ን60 መዓልታት ዝጸንሕ ሓያል ትእዛዝ ምስ ተወደኤ ከናውሖ ወይ ክቕይሮ እኽእል፥ ወላ ኣብ ውሽጢ`ቲ 60 መዓልታት ለውጢ እገብር እኸውን- ክመሓየሽ `ውን ይኽእል`ዩ " ኢሉ ።

እቲ ትእዛዝ ንገለ ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ኮይኖም ዘመልከቱ ሓደሽቲ`ምበር ነቶም ድሮ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ዘለዉ-ንግሪን ካርድ ዘመልከቱ ኣይምልከትን`ዩ።

ከምኡ`ውን ንስድራቤት ኣሜሪካውያን ወይ ንኣባላት ወተሃደራት ኣሜሪካ፡ ወይ ንኣብ EB-5 ዝብሃል ምድብ ዘለዉ ሃብታማት ኣውፈርቲ፥ ወይ ድማ፡ ነቶም ኣብዚ እዋን ግሪን ካርድ ሒዞም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኣይምልከትን`ዩ።

ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብዙሕ ስራሕ ስርዓት ኢምግረሽን ጠጠው ኢሉሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ከምኡ ዳርጋ ኩሉ መስርሕ ቪዛ ንዘይተወሰነ እዋን ጠጠው ኢሉሉ ኣብዘሎ እዋን እዚ ሓዲሽ ትእዛዝ ንኽንደይ ክጸሉ ከምዝኽእል ንጹር ኣይኮነን።

XS
SM
MD
LG