ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ሓዳሽ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕ/ሃ ሸይሞም


ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ወሃቢት ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ዝነበራ ሄዘር ናውረት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ገይሮም ሸይመምወን።

ፕረዚዳንት ትራምፕ ሎሚ ንጉሆ ዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ ቃል “ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንኒኪ ንምትካእ ምስ ኒኪ ሃሊ ክተሰርሕ እያ።ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ክትኸውን እያ’’ኢሎም ።

“ተውህቦ ዘለዋ፣ኣዚያ በላሕን ቕልጡፍትን እያ።ብኹሎም ድማ ክትኸብር እያ።’’

ኒኪ ሃሊ ካብ ኣምባሳደርነተን ከም ዝለቃ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ምግላፀን ይዝከር።

48 ዓመት ዝዕድሚአን ናውረት ኣብ Fox News ክሰርሓ ድሕሪ ምፅናሕ ሚያዚያ 2017 ወሃቢት ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኮይነን ዝተመደባ።ኣብ ቻነል Fox News ናውረት ንዘቕርብኦ መደብ ትራምፕ ብስሩዕ ዝከታተሉዎ መደብ ከምዝነበረ ትራምፕ ባዕሎም ክገልፁ ፀኒሖም ኣለው።

XS
SM
MD
LG