ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ሓዱሽ ፋይናንሳዊ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣንቢሮም


ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሃሳይ ኢሎም ዝፀውዕዎ ሓዱሽ ፋይናንሳዊ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣንቢሮም።እቲ እገዳ ብፍላይ ንናይታ ሃገር ሃይማኖታዊ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊኻመኒ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ተገሊፁ’ሎ።

እዚ ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ወታደራዊ ረፅሚ ከጋጥም እዩ ዝብል ስኽፍታታት እናዓበየ ኣብዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ።ሰበስልጣን ኣሜሪካ ኢራን ኣብ ሆርሙዝ ስትሬትስ ንክልተ ነዳዲ ዝፅዓና መራኽብ ኣጥቒዓ ክብሉ ኸሲሶምዋ፣ቴህራን ግን ኣይውዓልኩሉን ክትብል ነፂጋቶ።ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንናይ ኣሜሪካ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ድሮን ወቒዓ ከምዘውደቐት ዝዝከር እዩ።

ፕረዚዳንት ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ ኢራን ክፍፀም ሒዞምዎ ዝነበሩ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቓዕታት ኣብ ናይ መወዳእታ ደቓይቕ ሰሪዞምዎ።ብመሰረት ዜናታት ኣሜሪካ ግን ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ ናይ ኢራን ስርዓተ-ኮምፒተራት ጉጅለ ስለያን መቆፃፀሪ መወንጨፊ ሚሳይላትን ኢራን ናይ ሳይበር መጥቓዕቲ ክፍፀም ምእዛዞም ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG