ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ትራምፕ ሃገሮም ኮሮና ቫይረስ ኣብ ምግታእ ዓለምለኸ ሓገዝ ከምትህብ ኣፍሊጦም


ኣብ 167 ሃገራት ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ብውሕዱ ኣማኢት ኣሸሓት በጺሖም ኣለዉ። ፕረዚደንት ትራምፕ ሕጂ ንሃገራት ንምሕጋዝ ማዕጾይ ክፉት`ዩ ይብል-ዝርዝር ግን ኣይሃበን።

“ብዙሓት ሃገራት ይረኸባና`ለዋ- ሕቶታት ይሓታና ኣለዋ፡ እንታይ እንተገብርና ይሓይሽ ይብላና። ግልጺ ክገብሮ ዝደሊ ግን ንህዝብታት ኢራንን ሰሜን ኮርያን ወሲኽካ ንኻልኦት ሃገራት ክንሕግዝ ኣገዳሲ`ዩ።”

ኮሮናቫይረስ ንምውጋእ ኣብ መጀመርያ`ዚ ወርሒ መጋቢት ብኮንግረስ ካብ ዝጸደቐ 8 ቢልየን ዶላር፡ እቲ ሓደ ቢልየን፥ ንኣህጉራዊ ምንቅስቓሳት ንክውዕል ዝተመደብ`ዩ- ካብ መንጉኡ`ውን ብ USAID ኣቢሉ ዝሃብ`ዩ።

ስተፈን ሞሪሰን- ካብ ዓለም-ለኻዊ ስትራተጂክ መጽናዕቲ`ዩ- ብዛዕብኡ ከምዚ ይብል።

“ካብ መንጎ`ቲ ሓገዝ $ 300 ሚልየን ዝኸውን ብUSAID ዝውሃብ ብፍላይ ነቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ሓገዝ ዘድልዮም ዝከውን ዝተመደበ ኣሎ- እዚ ድማ እተን ሃገራት ኣብ ምክልኻል`ቲ ቫይረስ ንክሕግዘን ተባሂሉ`ዩ።”

ፕረዚደንት ትራምፕ ካብቲ ንምብርባር ኤኮኖሚ ተባሂሉ ዝዳሎ ዘሎ ግዙፍ $1 ትሪልየን ገንዘብ፥ ንሃገራት ወጻኢ ዝተሓዝኤ ነገር የለን ይብል ።

'ኣይፋሉን፥ እዚ ኣብ`ቲ ጥሙር መሕወዪ ኤኮኖሚ ኣይኣተወን። ግን ብዙሕ ቢልዮናት ዶላራት ኢና`ኮ ንህብ። ንኣብነት ኤድስ ኣብ ኣፍሪቃ- ብዙሕ ኢና ንዋግኦ ዘለና።”

ብኻልእ ወገን ቻይና ፥ነቲ፥ እቲ ቫይረስ ንክዝርጋሕ ኣቐዲማ ዕድል ሂባቶ ኢሉ ንዝመጻ ዘሎ ነቔፈታ ንምብርዓን ይመስል፥ ኩባንያታት ቻይና ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ናብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃን መሳርሕታት ጥዕናን መድሓኒታትን ዝሓዘ ጽዕነታት ትሰድድ ኣላ።

XS
SM
MD
LG