ዋሽንግተን —
ኣሜሪካ ንጉዳይ ግድብ ህዳሴ ብዝምልከት ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ፍትሓውን ርትዓውን ስምምዕ ንምብጻሕ ዘድልይ ኩነታት ምድላው ከም እትቕፅለሉ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣረጋጋጊፆም።
ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነዚ ዝገለፁ ትማሊ ረቡዕ ምስ ናይ ግብፂ ፕረዚደንት ዓብድል ፈታሕ ኤል ሲሲ ኣብዝተዘራረብሉ እዋን እዮም ።
አዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ኢትዮጵያ ማይ፣መስኖን ኢነርጅን ሚንስትሪ ተቓሪፁ ዝነበረ ልዝብ ሰለስቲአን ሃገራት ምጅማሩ ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ግብፂ በቲ ሓደ ገፅ ኣብቲ ልዝብ እናተሳተፈት በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ተፅዕኖ ንምፍጣር ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ግሉጽነትን ቅንዕናን ዘይብላ ምዃኑ ዘርኢ እዩ ኢሉ።