ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕን መራሒ ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ካልኣይ ወግዓዊ አኼብኦም ሎሚ ጀሚሮም


ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡንን ካልኣይ ወግዓዊ ኣኼብኦም ሎሚ ረቡዕ ኣብ ቪየትናም ሃኖይ ጀሚሮም፤ብሓባር ድማ ድራር ተኣንጊዶም።ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ እቲ ርክብ ዘለዎም ኣወንታዊ ተስፋ’ውን ገሊጾም።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ኪም ጆንግ ኡንን ባንዴራታት ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን በመስርዕ ኣብ ዝማዕረገሉ ኣብ ዋና ከተማ ሃኖይ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ሶፊተል ለጀንድ ሜትሮፖሌ ወሽመጥ ኮሪያ ካብ ኒኩሌር ነፃ ንምግባር ዝዓለመ ካልኣይ ኣኼብኦም ሎሚ ምሸት ጀሚሮም ኣለው።

እዚ ርክብ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ሲንጋፖር ናይ ዝተኻየደ ፈላማይ ርክብ መቐፀልታ እዩ።

“ምስ ኣቦ ወንበር ኪም ምርኻበይ ክብሪ ይስምዓኒ፣ኣብዚ ኣብ ቬትናም ብኽብሪ ብቀይሕ መንፀፍ ኣብ ዝተቐበሉና ሃገር ምርኻብና ክብሪ ይስምዓኒ።ፈላማይ ርክብና ዕዉት ነይሩ፤እዚ ናይ ሎሚ ድማ ማዕርኡ ወይ ዝበለፀ ክኸውን ተስፋ እገብር።”

ክልቲኦም መራሕቲ ንእንግዶት ድራር ኮፍ ካብ ዝበልሉ ኪም ብኣስተርጓሚኦም ኣብዝሃብዎ ርእይቶ እዚ ካልኣይ ኣኼባ ዕዉት ክኸውን እዩ ኢሎም።ትራምፕ እውን በዚ ከምዝሰማምዑ ከምዚ ክብሉ ርእይቶም ሂቦም።

“ፅባሕ ፅዑቕ ስራሕ ክፅበየና እዩ፤ምናልባሽ ሓቢርና ምስተደረርና ተስፋ እገብር ብዙሓት ነገራት ክፍትሑ እዮም።ነባሪ ናብ ዝኾነ ፅቡቕ ኩነታት ክመርሐና እዩ።ርክብና ኣዚዩ ፍሉይ ርክብ እዩ።”

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተኣንገድሉ ድራር ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ማይክ ፖምፒዮን ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ሰሜን ኮሪያ ሪ ዮንግ ሆን ሓዊሱ ላዕለዎት ኣማኸርቲ ትራምፕን ኪሚን ተረኺቦም ኣለው።

ትራምፕ ቅድሚ እቲ ድራር ብቲዊተር ኣቢሎም ኣብ ዝፀሓፉዎ መልእኽቲ ሰሜን ኮሪያ ብቑጠባ ሓያል ክትኸውን ዘኽእላ እዩ ዝበሉዎ ካብ ኒኩሌር ነፃ ንምግባር ንሶምን ኪሚን ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG