ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ታንዛንያ ሓፋ ውዕይ ማይ ንቫይረስኮሮና የፍውስ'ዩ ድሕሪ ምባሎም ብዙሓት ነቲ ሓሳብ የተግብሩ ምህላዎም ተገሊጹ

ፕረዚደንት ታንዛንያ፥ ምስሓብ ውዑይ ሃፋ-ማይ፥ ንቫይረስኮሮና ይከላኸል`ዩ ዝብል ሓሳብ ምስተዛረበ፥ ገለ-ታንዛናውያን ናብ መሸጢ መሳርሕታት ሃፋ-ማይ ክውሕዙ ጀሚሮም።

ሃፋ-ማይ ብጎሮሮኻ ምስሓብ፥ ንሕማም ኮቪድ-19 የድሕን`ዩ-ዝብል ሳይንሳዊ መረዳእታ የለን- ታንዛንያዊ `ምሳፊሪ ምጀማ` ግን ባዕሉ ካብ ዝሰርሖ መሳርሕታት መስሓቢ ሃፋ- ጽቡቕ ገንዘብ ይገብር ኣሎ።

ንሱ፥ ፕረዚደንት ሃገሩ ጆን ማጉፉሊ፥ እቲ ሃፋ-ውዑይ ማይ- ኣንጻር ቫይረስኮሮና ይሰርሕ`ዩ ምስ በለ፥ ዕዳግኡ ከምዝዓመረሉ ይገልጽ-ንመዓልቲ ክሳብ 200 ዶላር ከምዝሰርሕን- እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ክሊኒክ ክሰርሕ ከሎ ዘእትዎ ዝነበረ ዓቢይ ፍልልይ ከምዘለዎን ይገልጽ።

ፕረዚደንት ታንዛንያ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ከምዚ ምባሉ ይዝከር።
“ምስሓብ ውዑይ-ሃፋ ማይ ንቫይረስኮሮና ንምዕጋት ከመይ ከምዝጠቅም ሚንስትሪ ጥዕና መብርሂ ምሃቡ ክቕጽል ኣለዎ። እቲ ቫይረስ ኣብ ኣፍንጫ ወይ ኣብ ኣፍ እንተልዩ፥ እቲ መጠን ሙቐት ልዕሊ 100 ምስ በጽሐ እቶም ቫይረስ ይሞቱ`ዮም- እዚ ድማ ኣገዳሲ ነገር`ዩ" ኢሉ።

ካብ መንጎ ተጠቀምቲ ውዑይ ሃፋ ሓንቲ ዝኾነት ጀይን- ማክያዮ፥ ካብ ስቲም ማለት ውዑይ ሃፋ ማይ ክትወጽእ ከላ ሰውነታ ጽቡቕ ከምዝስምዓ ትገልጽ።

ታንዛንያዊ ዶ/ር ሳጃድ ፋዘል ግን፡ ነዚ ዘረድእ ሳይንሳዊ መረጋገጺ የለን ይብል። ሰባት ምስሓብ ውዑይ ሃፋ ማይ ጥዕናዊ ሳዕቤን ከምዘለዎ`ውን ክፈልጡ ይግባእ -ንሱ ድማ ከም ጸገማት ሕማም ሳንቡእ ኣስዒቡ ንዝገደደ ምትሓዝ ቫይረስኮሮና ከቃልዕ ይኽእል`ዩ ይብል።

ነጋዳይ መሳርሕታት መስሓቢ ሃፋ ማይ `ምሳፊሪ ምጀማ` ግን ካብቶም ውዑይ ሃፋ ማይ ንቫይረስኮሮና ከጥፍእ ይኽእል`ዩ ኢሎም ዝኣምኑ ገንዘብ ምግባር ቀጺሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG