ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ቱርኪ ውዕል ሰደድ እኽሊ ዩክሬን ክናዋሕ ከምዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም


ካብ ወደባት ዩክሬን እኽሊ ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ወደባት ኢስታንቡል ቱርኪ ዝበጽሓትሉ ዝተወስደ- ፋይል
ካብ ወደባት ዩክሬን እኽሊ ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ወደባት ኢስታንቡል ቱርኪ ዝበጽሓትሉ ዝተወስደ- ፋይል

ፕረዚደንት ቱርኪ ረጂፕ ጠይብ ኤርዶዋን ሰደድ እኽሊ ዩክሬን ብጸሊም ባሕሪ ክሓልፍ ንምፍቃድ ዝተገብረ ስምምዕ ክሳብ ዝመጽእ ቀዳም ዝጸንሕ እንተኾነ`ኳ ከምዘለዎ ክቕጽል`ዩ ኢሎም ከምዝ ኣምኑ ኣፍሊጦም።

ኣብ ባሊ ኢንዶነዥያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ጉጅለ-20 ዝተዛረቡ ፕረዚደንት ኤርዶዋን፡ ብዛዕባ ምንዋሕ`ቲ ውዕል ዝርርብ ቀጺሉ ከምዘሎ ሓቢሮም ኣለው።

ዩክሬን መራኽባ ኣብ ቱርኪ እናተፈተሻ ካብቲ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዘሎ ወደባታ ሰደድ እኽሊ ክተገዓዕዝ፡ ሩስያ ድማ መግብን ዘመናዊ ዱኽዕን ንሰደድ ክትልእኽ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ምስ ዩክሬንን ሩስያን ውዕል ከቲሙ ኔሩ`ዩ።

ብኻልእ ዜና ሩስያ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ ብምክያድ ኣብ ምዕራባዊት ከተማ ልቪቭ ንዝርከብ ምንጪ ጸዓት ኣዕንያ።

ኣብቲ ወተሃደራዊ ደብዳብ ርእሰ-ከተማ ኪየቭ ዝርከብአን 10 ዞባታት ዒላማታት ኮይነን`የን።

ኣብ ባሊ ኢንዶነዥያ ዝሳተፍ ዘሎ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ዋይት ሃውስ ጀይክ ሱሊቫን ነቲ ደብዳባት ነፈርቲ ሩስያ ኮኒንዎ`ሎ።


XS
SM
MD
LG