ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ቱርኪ ረሲፕ ኤርዶጋን ስዑዲ ዓረባዊ ጋዜጠኛ ብጭካነ'ዩ ተቐቲሉ ክብሉ ኣፍሊጦም


ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ "ብጭካነ ተቐቲሉ" ክብሉ ናይ ቱርኪ ፕረዚደንት ረሲፕ ታዪፕ ኤርዶጋን ሎሚ ሶሉስ ኣፍሊጦም።ስዑዲ ዓረብ ነቲ ቅትለት ኣብ ኢንስታንቡ ዝርከብ ቆንስላ ኮነ ኢላ ብውዲት ፈፂማቶ ዝበሉ ፕረዚደንት ኤርዶጋን ስዑዲ “ዘይሕጋዊያን ኤጀንትስ” እዮም ፈጺማቶ እንዝብል ድማ ብትሪ ነጺጎም ።

ፕረ. ኤርዶጋን ‘’ኩሎም ዝተኣከቡ መርትዖታት ዘረጋግፁዎ ጀማል ኻሾጊ ግዳይ ጭካነ ዝተመልኦ ቅትለት እዩ’’ክብሉ ኣብ ኣንካራ ንፓርላማ ሃገሮም ገሊፆም።ነዚ ባርባራዊ ተግባር ንምሕባእ ምፍታን ንሕልና ደቂ ሰባት ዝጎድእ እዩ እውን ኢሎም።

ኻሾጊ ንክቕተል ዝኣዘዘ ዝኾነ ይኹን ክሕተት ኣለዎ፤ ምስቲ ቅትለት ብዝተኣሳሰረ ብስዑዲ ዓረብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለኡ 18 ሰበስልጣን እውን ኣብ ኢስታንቡል ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ኣለዎም ኢሎም።

ናይ ኣሜሪካ ምኽትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ‘’ዓለም ትሪእይ እያ ዘላ።ህዝቢ ኣሜሪካ መልሲ ይደልዩ ኣለው፤መልሲ ክውሃብ እውን ንሓትት ኣለና ኢና’’ኢሎም።

XS
SM
MD
LG