ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ብራዚል ጄይር ቦልሶናሮ ኣብ ኣታሓሕዛ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ንናይታ ሃገር ሚንስትር ጥዕና ሉዊዝ ሄንሪከ ማንዴታ ትማሊ ሓሙስ ካብ መዝነቶም ኣባሪሮምዎም።
እቶም ፕረዚደንት ሰባት ኣብ ገዛውቶም ክዕፀውን ምድራት ምንቅስቓስ ንግዲን ንቁጠባ ዝጎድእ እዩ ክብሉ ይከራኸሩ።
ምስ ፕረ.ቦልሶናሮ ናይ ስራሕ ርክብ ዘለዎም ፍሉጥ ክኢላ ካንሰር ኔልሰን ቴይክ ኣብ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ምስቶም ፕረዚደንት ንዝተራፀሙ ሚንስትር ጥዕና ተኪኦምዎም ኣለው።
ይኹን እምበር ንሶም’ውን ከም ማንዴታ ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ንክህልው ከምዝድግፉ ተፈሊጡ ኣሎ።