ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ሓቲቶም


ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፌልትማን
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፌልትማን

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብዚ ወሳኒ እዋን ንፍሉይ ልኡኽ ጀፍሪ ፌልትማን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለሱ ከምዝሓተቱዎም ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ፕረዝዳንት ጄክ ሱሊቫን ገሊፆም።

ንሶም ትዊተር ኣብ ዝዘርግሑዎ መልእኽቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ናብዛ ዓባይ ሃገር ብተወሳኺ ውግእ ዘይድሕን ግዙፍ መከራን ምክፋፍልን ኣስዒቡላ እዩ ኢሎም። ኩሎም ወገናት ብቅልጡፍ ናብ ናይ ልዝብ ጠረጴዛ ክመፁ ንፅውዕ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ዜና ቤት ፅሕፈት ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ ሓፂር መግለፂ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፌልትማን ካብ 15 ክሳብ 24 ነሓሰ 2021 ናብ ጁብቲ፣ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስን ዝበጽሑ ገሊፁ ኣሎ።

ፍሉይ ልኡኽ ፌልትማን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሰለስቲኣን ሃገራት ተራኺቦም ኣመሪካ ሰላም ንምትብባዕን ምርግጋእን ብልፅግናን ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትድግፍን ዘለው ዕድላት ንምዝርራብ እዩ።

XS
SM
MD
LG