ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ጽልኢ መሰረት ዝገበረ በደል ፈደራላዊ ገበን ዝገብር ሕጊ ፈሪሞም ኣጽዲቖም


ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ሕጊ ኣብ ዝፈረምሉ እዋን ዝተወስደ
ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ሕጊ ኣብ ዝፈረምሉ እዋን ዝተወስደ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ጽልኣዊ በደል፡ ፈደራላዊ ገበን ዝገብር ሕጊ ፈሪሞም።

እቲ እማመ መጀመርያ ካብ ዝቐርብ 100 ዓመታት እንተቖጽረ'ኳ ክሳብ ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ሕጊ ከይሰፈር`ዩ ጸኒሑ።

እቲ "ኢመንት ትል" ብዝብል ኣጸዋውዓ ዝወጸ ጸረ-ጽልኣዊ ዓንቀጽ ብሽም`ቲ ኣብ 1955 ናብ ሓንቲ ጻዕዳ ሰበይቲ ኣፋጺኻ ተባሂሉ ዝተቐትለ ጸሊም መንእሰይ`ዩ ተጸዊዑ ዘሎ። እቲ ሽዕኡ ኣብ ሚሲሲፒ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣብ ሲቪላዊ መሰላት ናዕቢ ከለዓዕል ጸኒሑ`ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ትማሊ ነቲ ሕጊ ክፍርመሉ ከሎ፡ ጽልኣዊ ቅትለት፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝፍጸም፡ ኩሉ ኣመሪካዊ ኣይኮነን፡ ኩሉ ማዕረ ኣይኮነን ዝብል ብሕቡእ ዘይኮነ ኣብ ጨው ቀትሪ ዝፍጸም ኣብ ሓሶት ዝተመስረተ ተግባር`ዩ ኢሉዎ።

እዚ ሓዲሽ ሕጊ ካብ ጽልኢ ዝብገስ ቅትለት ወይ ኣካላዊ መጉዳእቲ ምውራድ፡ ፈደራላዊ ገበን`ዩ ይብል።

XS
SM
MD
LG