ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ጽልኢ መሰረት ዝገበረ በደል ፈደራላዊ ገበን ዝገብር ሕጊ ፈሪሞም ኣጽዲቖም


ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ሕጊ ኣብ ዝፈረምሉ እዋን ዝተወስደ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ጽልኣዊ በደል፡ ፈደራላዊ ገበን ዝገብር ሕጊ ፈሪሞም።

እቲ እማመ መጀመርያ ካብ ዝቐርብ 100 ዓመታት እንተቖጽረ'ኳ ክሳብ ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ሕጊ ከይሰፈር`ዩ ጸኒሑ።

እቲ "ኢመንት ትል" ብዝብል ኣጸዋውዓ ዝወጸ ጸረ-ጽልኣዊ ዓንቀጽ ብሽም`ቲ ኣብ 1955 ናብ ሓንቲ ጻዕዳ ሰበይቲ ኣፋጺኻ ተባሂሉ ዝተቐትለ ጸሊም መንእሰይ`ዩ ተጸዊዑ ዘሎ። እቲ ሽዕኡ ኣብ ሚሲሲፒ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣብ ሲቪላዊ መሰላት ናዕቢ ከለዓዕል ጸኒሑ`ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ትማሊ ነቲ ሕጊ ክፍርመሉ ከሎ፡ ጽልኣዊ ቅትለት፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝፍጸም፡ ኩሉ ኣመሪካዊ ኣይኮነን፡ ኩሉ ማዕረ ኣይኮነን ዝብል ብሕቡእ ዘይኮነ ኣብ ጨው ቀትሪ ዝፍጸም ኣብ ሓሶት ዝተመስረተ ተግባር`ዩ ኢሉዎ።

እዚ ሓዲሽ ሕጊ ካብ ጽልኢ ዝብገስ ቅትለት ወይ ኣካላዊ መጉዳእቲ ምውራድ፡ ፈደራላዊ ገበን`ዩ ይብል።

XS
SM
MD
LG