ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ድሕሪ 1962 ዝለዓለ ስግኣት ኑክሌር ሕጂ ምዃኑ ገሊጾም


ሩሲያ ኣብ ዩክሬን ብሰንኪ ዝወረዳ ኪሳራ ሰበስልጣን'ታ ሃገር ብዛዕባ ምጥቃም ስልታዊ ኣፅዋራት ኑክሌር ይዘራረቡ ኣብዘለውሉ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ትማሊ ሓሙስ ምሸት ካብ 1980ታት ጀሚሩ ሓደጋ ኣርማጌዶን ወይ ናይ ፍፃመ ኲናት ኣንፀላልዩ ኣሎ ኢሎም ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ዴሞክራት ኮሚቴ ናይ ሰኔት ወፍሪ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "ካብ ቅልውላው ሚሳይል ኬኔዲን ኩባን ጀሚሩ ማዕረ ክንድዚ ሓደጋ ዓርማገድዶን ገጢሙና ኣይፈልጥን’’ኢሎም ።

ኣብ ጥቅምቲ 1962 ኣመሪካን ሕብረት ሶቪየትን ኣብ ጫፍ ኑክሌራዊ ግጭት በፂሐን ነይረን።እዚ ዝኾነ ኣመሪካ ቦሎስቲክ ሚሳይላት ናብ ቱርክን ኢጣልያን ምስ ኣግዐዘት ሕብረት ሶቪየት ድማ ከም ግብረ መልሲ ተመሳሳሊ ሚሳይላት ናብ ኩባ ድሕሪ ምግዓዛ‘ዩ።

ፕረዚደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን "ኣዚየ ዝፈልጦ ሰብ እዩ’’ ዝበሉ ፕረዚደንትባይደን ብዛዕባ ምጥቃም "ኑክሌር ወይ ባይሎጂካዊ ወይ ኬሚካላዊ ኣፅዋራት’’ ክዛረብ ከሎ ባጫ ኣይኮነን ኢሎም።

ፕረዚደንት ባይደን ኣመሪካ ንዩክሬን ምድጋፋ ክትቕፅል እያ እውን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG