ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ባይደን ዝርጋሐ ኮቪድ-19 ንምግታእ ሓድሽ እማመ የቕርቡ


ፈልቂ ቫይረስ ደልታ እንኮላይ ንኣመሪካ ሓዊሱ ከቢድ ስግኣት ኣብ ዝዀነሉ ዘሎ እዋን፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ ሂቦም።

ብመሰረት’ቲ ሓድሽ ሓበሬታ፡ ሰራሕተኛታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኣንጻር ኮቪድ-19 ክኽተቡ፡ ንሱ እንተ ዘይተፈጺሙ ድማ ቀጻሊ መርመራታት ኮቪድ-19 ክገብሩን ኵነታት ክታበት ብዘየገድስ ኣብ ህንጻታት መንግስቲ መከላኸሊ ጨርቂ ክልበሱን ዝጠልብ’ዩ። ብመሰረት’ቲ ወጺኡ ዘሎ መምርሒ ናብ መንግስታዊ ቤት-ጽሕፈት ዝመላለሱ ኣጋይሽ’ውን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ጨርቂ ክገብሩ ክሕታቱ’ዮም።

እዚ ሓድሽ መምርሒ ነቲ ኣቐዲሙ ብማእከል ምርምርን ምክልኻል ሕማማትን ወጺኡ ዝነበረ ኣገባብ ዝቕይር’ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ነዚ ኣመልኪቶም ብሓሙስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፤ “ኵላቶም ሰራሕተኛታት ፈደራላዊ መንግስቲን በጻሕቲን ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣብ ዝህሉዉሉ ነዚ መምርሒ ከተግብሩ እጠልብ ኣለኹ። ካብ ፈለማ እዋን ኣትሒዘ ክደጋግሞ ከም ዝጸናሕኩ፡ መሸፈኒ ጨርቂ ምልባስ ፖለቲካዊ መስመር ምውሳድ ኣይኰነን። እዚ ብመሰረቱ ንድሕነት ነብስናን ዋሕስ ካልኦት ሰባትን ጥራይ’ዩ። መሸፈኒ ጨርቂ ምልባስ ሓደ ካብቲ ፍቱን መከላኸሊታት ዝርጋሐ ኮቪድ-19 ኢዩ። ሕጂ’ውን ከስምረሉ ዘድልይ ግን እቲ ናይ መወዳእታ ፍታሕ ክታበት ምዃኑ’ዩ።”

ብዝሒ ሰራሕተኛታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኣመሪካ ኣርባዕተ ሚልዮን ዝበጽሑ ክዀኑ እንከለዉ፡ ካብዚኣቶም ኣስታት ፍርቂ ኣብ ሲቪላዊ ስራሓት ዝነጥፉ’ዮም። መምርሒ ፕረዚደንት ባይደን እንኮላይ ነቶም ምስ መንግስታዊ ኣገልግሎት ብኹንትራት ዝሰርሑ ዝምልከት’ዩ።

ኣብ ክፍሊ ምክልኻል ንዝጠንፉ ሰራሕተኛታት ክታበት ግድን ክወስዱ ዝከኣለሉ መንገዲ ኣብ ምንዳይ ከም ዘለዉ’ውን ፕረዚደንት ባይደን ጠቒሶም።

ብግዴታ ዝወሃብ ክታበት ግን ካብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ተቓውሞ ክጐንፎ ተኽእሎ ኣሎ። ኤቨረት ኬልይ ኣብ-መንበር ናይቲ ኣስታት 700-ሽሕ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝሓቍፍ ማሕበር ሰራሕተኛታት’ዩ። ንምሉእ ሰራሕተኛታት ዝጸሉ መምርሒታትን ውሳነታትን ቅድሚ ናብ ታሕቲ ምውራዱ ግቡእ ዝርርብ ከም ዘድሊ ድማ ይጠቅስ።

ርእይቶ ፕረዚደንት’ቲ ካብ ልዕሊ 65 ትካላት ዝተዋጽኡ 30-ሽሕ ሰራሕተኛታት ዝጥርንፍ፡ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣውሓስቲ ጸጥታ፡ ላርይ ኮስመ’ውን ተመሳሳሊ’ዩ። ኮስመ፡ “ብኣስገዳድ ምኽታብ ዘይኣመሪካዊ ባህሪ’ዩ” ድሕሪ ምባሉ፡ ዋላ’ኳ ብወገን ኣመምቱ እኹል ጭብጢ ክቐርብ ደኣ ይኽኣል እምበር፡ ኣንጻር መሰረታዊ መሰል ሰራሕተኛ’ውን’ዩ ክብል ገሊጹዎ።

XS
SM
MD
LG