ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ህንጻ ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ዘጋጠመ ዝምልከት መደረ ከስምዑ'ዮም


ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ደገፍቲ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊህንጻ ካፒቶል ዝፈፀምዎ መጥቓዕቲ ታሪኻዊ ኣገዳስነቱ ብዝምልከት ፅባሕ ሓሙስ መደረ ከስምዑ እዮም።

ሓደ ዓመት ናይቲ መጥቓዕቲ ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ጎኒ ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ብምዃን ዘስምዕዎ መደረ ካብ ካፒቶል ስታቱሪ ኣዳራሽ እዩ።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ጀን ሳኪ ትማሊ ሰሉስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ "እቶም ፕረዚደንት ፈቐዶ ክዝርጋሕ ዝፀንሐ ሓሶት ዘይኮነስ እንታይ ከምዝተፈፀመ ነቲ ሓቂ ክዛረቡ እዮም’’ኢለን ።

ደገፍቲ ትራምፕ ውፅኢት ፕረዚዳንታዊ ምርጫ 2020 ንምፅዳቕ ኣባላት ኮንግረስ ተኣኪቦምሉ ናብ ዝነበሩ ኣዳራሽ ጥሒሶም ብምእታው ኣብቲ ታሪኻዊ ህንፃ ጉድኣት ብምውራድ ኣባላት ኮንግረስ ድሕንነቶም ናብ ዘውሕስሉ ቦታ ክኣትው ተገዲዶም።

XS
SM
MD
LG