ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ንዝተሳተፉ ዝበልዎም አካላት እገዳ ዘንብር ትእዛዝ ሂቦም


ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሚንስትሪ ገንዘብ ኣመሪካ ኣብ ኩሎም ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ንዝተሳተፉ አካላት እገዳ ዘንብር ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ሂቦም::

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ‘’ክናዋሕ ምኽኒያት ዝኾኑ ተሓተቲን ተሓባበርቶምን ሓዱሽ እገዳ ንምንባር ዘኽእል’’ ዝበሉዎ ትእዛዝ ሎሚ ዓርቢ ፈሪሞም ኣለው።

እቲ ትእዛዝ "ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን መንግስታት ከምኡ'ውን ህወሓትን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ተሓተቲ’’ ክገብር ንናይ ኣመሪካ ሚንስትሪ ገንዘብ ዘድሊ ዝበሉዎ ስልጣን ዝህብ ከምዝኾነ እቶም ፕረዚደንት ኣፍሊጦም።

እቲ ዋይት ሃውስ ሎሚ ወግዓዊ ዝገበሮ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ: እቶም ፕረዚደንት ነዚ ትእዛዝ ዝሃቡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲን ሕግታትን ኣመሪካ: ብመሰረት ኣዋጅ ዓለምለኸ ህጹጽ ስልጣን ኢኮኖሚ (IEEPA): ሃገራዊ ህጹጽ ኣዋጅ (NEA): ናይ 1952 ኣዋጅ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ምኻኑ ገሊጹ ሎ።

ኣብቲ ትእዛዝ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኩነታት ሰሜን ኢትዮጵያ ንሰላም ጸጥታን ምርግጋእን ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዘስግእ ምንቅስቃሳት ዝልለ ኾይኑ'ሎ ብፍላይ ዝሰፍሓ ህውከት: ግፍዕታትን ዓሌት መሰረት ዝገበረ ምግሃሰ ሰብኣዊ መሰላትን ጾታዊ ዓመጽ ካልኦት መልክዓት ጾታ መሰረት ዝገበረ ህውከትን ምትዕንቃፍ ሰርሓት ሰብኣዊ ረድኤት ኾይኑ ዘይዝውትሩን ንበይኑ ዝዓይነቱ ስግኣት ሃገራዊ ጸጥታን ፖሊሲ ጉዳያት ወጻ ኢ ኣመሪካ ኾይኑ'ሎ፤ ስለዚ ህጹጽ ፕረዚደንታዊ ኣዋጅ የሕልፍ ኣለኹ ኢሎም።

እቲ በቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘሎ ህውከት ሓዘል ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ንሚልዮናት ሰባት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ዝገበረን ሙሉእ ክልል ኣብ ድርኩኺት ዓጸቦ ዘእተወን'ዩ ኢሎም'ለዉ።

ኣብ ልዕሊ'ቶም ነዚ ቅልውላው'ዚ ተሓተቲ ዝኾኑ ቀጻሊ ጸቅጢ'ዉን ኣሜሪካ ገደብ ንዘይተገብረሎም ካብ ሰባት ዝለኣኽ ገንዘብ ናብ ሰባት ክበጽሕ ነቲ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ህዝብን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዓቢኡን መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላትን ዘይመንግስታዊያን ትካላትን ሓዊሱ ብሕጋውን ግልጽን መስመራት ሰብኣዊ ረድኤት ምውሓዙ ከተረጋግጽ ትደሊ ኢሎም።

ኣሜሪካ ነዚ ቅልውላው ልዝብ ዝተገብረ ምቁራጽ ተጻብኦን ፖለቲካዊ ፍታሕን ንምግባርን ሓይልታት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ምውጽኦም ግዝኣታዊ ሓድነትን ምርግ ጋእን ኢትዮጵያ ንምርግጋጽ ዝግበር ዘሎ ዓለምለኸ ጻዕርታት ትድግፍ ዝበሉ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብቲ ዝሃብዎ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ሚኒስተር ገንዘብ ኣሜሪካ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብምምኽኻር ማዕቀባት ክገብር ሰልጣን ዝሃበ'ዩ ።

ኣብቲ ትእዛዝ ተዘርዝሩ ካብ ዘሎ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስግኣት ጸጥታ ዘይምርግጋእን ዝተወስነ እቲ ቅልውላው ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክሰፍሕ ምቁራጽ ተጻብኦ ወይ ከይዲ ሰላም ዘተዓናቀፈን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታ ሰብኣዊ ረድኤትን ሰብኣዊ ፕሮጀክታትን መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰላማውያን ሰባት ዒላም ዝገበረ ዝጨወየ ኣገዲዱ ዘመዛበለ ኣብያተ ትምህርቲ ሆስፒታላት ትካላት ሃይማኖት ሰላማውያን ሰባት ዝተዓቁቡሉ ዘጥቅዔ ንዓለምለኸ ሕጊ ዝጠሓሰ እዩ ዝብል ይርከቦ።

ሚኒስትሪ ገንዘብ ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ድሕሪ ምምኽኻር ኣብዞም ተግባራት ከም ዝተኻፈለ ኣብ ልዕሊ ዝተፈልጠ ሓደ ወጻእተኛ ሰብ ወይ ከኣ ኣካላት ሚኒስትሪ ገንዘብ ኣሜሪካ ብመሰረት እቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ ሕግታት ማዕቀባት ክገብር ስልጣን ተዋሂብዎ'ሎ።

ኣብቲ ዝተዋህበ ትእዛዝ ሰባት መንግስታት ኣካላትን ጉጅለታትን ነቲ ኣብቲ ሕግታት ኣሜሪካ ተዘርዚሩ ዘሎ ዝጠሐሱንንዓኣቶም ወኪሉ ዝሰርሕ'ወን ዘጠቃልል ዩ።

ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ትእዛዝ ወግዓዊ ምስገበሩ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘውፅእዎ ንፕረዚደንት ባይደን ይብፃሕ ኣብ ዝበሉዎን ግልፂ ደብዳበ " ናይ ኣመሪካ ተኸታታሊ ምምሕዳራት ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓዙዎም ዝተዛብዐ ኣመለኻኽታ" ዝበሉዎም ቅሬታ ዝሓዘ መልእኽቲ ኣሕሊፎም።

"ኢትዮጵያ ካብ ድሕነት ሚሊዮናት ስልጣን ክጥቕልሉ ብዝመረፁ ዝኾረዩ ሰባት ዝተዋደደ ተፅዕኖ ንዘስዕቦም መዘዛት ኣይትንብርከኽን’’ኢሎም።ካብ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይተውሃበን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG