ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ምስ ፕረ.ፑቲን ክዘራረቡ'ዮም


ፋይል
ፋይል

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሎሚ ሓሙስ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ብተለፎን ክዘራረብ መደብ ተታሒዝሉ`ሎ። ነቲ ኣብ ዶብ ሩስያን ዩክሬንን ዘሎ ከቢድ ወጥሪ ዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ንምንዳይ ከምዝጽዕር`ውን ምንጭታት ዋይት ሃውስ ይጠቕሱ።

በዓል-ስልጣን ኣመሪካ "ዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ኢና ንደፍእ ዘለን፡ ግን ሩስያ ንዩክሬን ንምውራር እንተቐጺላትሉ ድማ ምላሽ ክንህብ ተዳሊና ኣለና" ኢሉ ።

ብዛዕባ`ቲ ሩስያ ናብ ዶብ ዩክሬን ኣጸጊዓቶም ዘላ ኣስታት 70 ሺሕ ወተሃደራት እዚ ናይ ተለፎን ርክብ ኣብዚ ወርሕ`ዚ ጥራሕ ንኻልኣይ ግዚኡ ይኻየድ'ሎ።

ከም ሓበረታ ስለያ ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ፑትን ክሳብ 157 ሺሕ ዝበጽሑ ወተሃደራት`ዩ ናብ ዶብ ዩክሬን ከጸግዖም መዲቡ ዘሎ። እዚ ድማ ንዩክሬን ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

XS
SM
MD
LG