ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ኣብ ጉዳይ ምክልኻል ባርዕ ሓዊ ምስ ኣመሓደርቲ ምዕራባዊ ግዝኣታት ዘትዩ


ፕረዚደንት ባይደን ምስ ሸሞንተ ኣመሓደርቲ ምዕራባዊ ግዝኣታት ኣሜሪካ ብዛዕባ ምክልኻል ባርዕ ሓዊ በረኻ ክውሰድ ዘለዎ ምቅርራብ ዘትዩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ እተን ግዝኣታት ንሓያል ደርቂ ኣብ ምምካት ኣብ ዝዳለዋሉ ዘለዋ እዋን`ዩ።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ጀን ፕሳኪ እቲ ርክብ ብፈደራል መንግስቲ ክግበር ዝግብኦ ምቅርራብን ባርዕ ሓዊ ከጋጥም ከሎ ክውሰድ ዝግብኦ ግብረ መልስን ምሕላው ህዝባዊ ድሕነትን ዝጠመተ`ዩ ኢላ ።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ገዛእቲ ካሊፎርንያ፡ ኮሎራዶ፡ ኒው ሜክሲኮ፡ነቫዳ፡ ኦረገን፡ ዋሺንግተን፡ዩታን ዋይሚንግን`ዮም።

ብርክት ዝበላ ግዝኣታት ኣሜሪካ ኣብዚ እዋን`ዚ ከቢድ ደርቂ ይርእያ ከምዘለዋ ይግለጽ ኣሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG