ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ኣብ ኣሪዞና ዝርከብ ትካል መፍረይ ሰሚ-ኮንዳክተር በጺሖም


ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ትማሊ ሰሉስ ታሕሳስ 6,2022 ወፍሪ መመስርሒ ፋብሪካ ሰሚ-ኮንዳክተር ንምትብባዕ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ኣሪዞና በጺሖም። ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ሰበ-ስልጣን ትካል ሰሚ-ኮንዳክተር ታይዋን ኣብ ኣሪዞና ዘሎ ወፍሮም ብሰለስተ ዕጽፊ ንምድራዕ ይሰርሑ ከምዘለው`ውን ኣፍሊጦም። ሰሚ-ኮንዳክተር ማለት ምትሕልላፍ ኤለክትሪክሲቲ ዝቆጻጸርን ዘመሓድርን ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ`ዩ።

ምምሕዳር ባይደን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ነቲ መሳርሒ ንምፍራይ ንምትብባዕ ልዕሊ 50 ቢልየን ዶላር መዲቡ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ትማሊ ዝበጽሕዎ`ምበኣር፡ ቲ.ኤስ.ኤም.ሲ ዝተባህለ ናይ ታይዋን ግዙፍ ኣፍራዪ ሰሚ-ኮንዳክተር ዝሃንጾ ዘሎ ትካል ንምዕዛብ ኮይኑ ንሶም ኣብቲ እዋን ከም በዓል ኣፕል ዝበሉ ኤለክትሮኒካዊ ትካላት ኣመሪካ፡ ነቲ ንኣይፎናትን ማክቡክን ዘንቀሳቕስ ቺፕስ ዝብሃል መሳርሒ ካብ ደገ የእትውዎ ከምዝነበሩ: ሕጂ ግን ካብ ውሽጢ ዓዲ ክረኽብዎ ይኽእሉ`ዮም ኢሎም።

XS
SM
MD
LG