ኣብቲ ሎሚ ንግሆ ዝጀመረ፡ ኣስታት 100 መራሕቲ ሃገራት ክሳተፉዎ ትጽቢት ዝግበር ዘሎ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣተኵሮኡ ኣብ ዓለማዊ ለበዳ፡ ክሊማዊ ለውጢን ኣህጉራዊ ጸጥታዊ ጉዳያት ዘተኰረ ይመስል። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተርዝ ኣብ መኽፈቲ መደረኦም፡ እናገፍሐ ብዝመጽእ ዘሎ ጋግ ንሓባራዊ ዕንወት ባይታ ዝኸፍት’ዩ ኢሎም። እቶም ዋና ጸሓፊ ካብ ዝጠቐሱዎ ኣብነታት ድማ ምዝባዕ ክሊማዊ ለውጢን ኣብ ክታበት ኮቪድ-19 ተፈጢሩ ዘሎ ጋግን’ዩ። ገና 90% ካብ ህዝቢ ኣፍሪቃ ንቐዳማይ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ይጽበዩ ኣለዉ ዝበሉ ጉተረዝ፡ እቲ ፍልልይ ሓደ መርኣያ ሓባራዊ ዓለማዊ ስራሕ ምዃኑ ኣስሚሮም።
ብፕረዚደንት ብራዚል ጃኤር ባላሰናሮ ዝጀመረ መደረ መራሕቲ ሃገራት ቀጺሉ ናብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን’ዩ ሰጊሩ። ፕረዚደንትነት ካብ ዝርከቡ ንፈለማ እዋኖም ኣብቲ መድረኽ ቀሪቦም መደረ ዘስምዑ ጆ ባይደን፡ መደረኦም ንግዳያት ሕማም ለበዳ ኮቪድ-19 ብምዝካርን ክብሪ ብምሃብን’ዮም ከፊቶም። ኣብ ምሉእ ዓለም በዚ ለበዳ ዝተፈልዩ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮንን ፈረቓን ብምጥቃስ ከኣ እቲ ኣጋጣሚ ንኣህጉራዊ ዓለማዊ ምትሕብባር ዝጽውዕ ምዃኖም ኣስሚሮም።
ኣመሪካ ካብቲ ቅድሚኡ ዝጸንሐ መሪሕነት ዝተፈልየ መስመር ክትክተል ምዃና ዘነጸረ መደረ ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብ ዓለማዊ ለበዳ፡ ክሊማዊ ለውጢ፡ ሰብኣዊ መሰለት፡ ምዕባለ ቴክኖሎጂን ዘተኰረ’ዩ ነይሩ።
“ሕጂ እንወስዶ ስጕምቲ ንወለዶታት ዝጸሉ” ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ፕረዚደንት፡ ምምሕዳሮም ነቲ ኣቐዲሙ ተበቲኹ ዝጸንሐ “ኣመሪካ ፈለማ” ብዝብል ምጕት ዘቐድም መርሓ ክቕይሩዎ ምዃኖም መደረኦም ዘነጽር’ዩ ነይሩ።
ገለ ካብቲ ፕረዚደንት ባይደን ኣስሚሮም ዝተዛረቡሉ፡ ብሓይሊ ኣጽዋርን ሰራዊትን ዝፍታሕ ጎንጺ ስለ ዘየለ፡ ምምሕዳሮም ኣብ ጽምዶ ርክባትን ዝምድናታትን ክሰርሕ ምዃኑ ምርኣይ’ዩ። ነዚ ከም ኣብነት ዝጠቐሱዎ ድማ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒጋስታን’ዩ።
ኣመሪካ ደጊማ ናብ ውዕል ክላይመት ስምምዕ ፓሪስ ክትምለስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምምዋል እቲ መደብ ገዚፍ ገንዘባዊ ወፍሪ ክትገብር ምዃና’ውን እቶም ፕረዚደንት ጠቒሶም። ብተመሳሳሊ ውሕስነት ሃገሮምን ዓለምን ንምክትታል ምስ መላፍንቲ ውድባት ከምእኒ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)፡ ከምኡ’ውም ድምዶ ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላት ከምእኒ ውድብ ጥዕና ዓለም ክገብሩ ምዃኖም ከኣ ተመባጺዖም።
ኣብዚ ዓለም ኣዝዩ እናተኣሳሰረ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን ተነጺልካ ምስራሕ ንዝያዳ ክፍተት ዝፍጠር’ዩ ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት፡ መንግስቶም ንዓለማዊ ተበግሶታት ኮቫክስን ካልእ ሰብኣዊ መሰላት ዘውሕስ በበይኑ ተበግሶታትን ድጋፍ ክህብ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ምዕባለ ቴክኖሎጂ ኣብ ምቅላል ጸገማት በቲ ሓደ ወገን፡ ከምኡ’ውን ምጽቃጥ መሰላት ዜጋታት ድማ በቲ ካልእ ዝገብሮ ዘሎ ክልተ ገጽ ኣበርክቶ’ውን ፕረዚደንት ባይደን ጠቒሶም ነይሮም። ጨቆንቲ መንግስታት ንዜጋታቶም ኣብ ምጽቃጥ ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ቴክኖሎጂን ኣሸበርቲ ወገናት ንዕንወት ዝገበሩዎ ዘለዉ ወፍሪ ቴክኖሎጂን ማዕረኡ ዝኸይድ ግብረ-መልሲ ከም ዘድልዮ ድማ ኣስሚሮም።
ኣብ በበብይኑ ክፋላት ዓለም፡ ካብ ፍልስጤም ክሳብ ካሜሮንን ካልኦት ሃገራት ከም የመንን ኢትዮጵያን ዝርአ ዘሎ ጎንጽታት’ውን ካብቲ ብፕረዚደነት ባይደን ዝተጠቕሰ ጉዳያት’ዩ ነይሩ። ብሕልፊ እኳ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ሰብኣዊ ግፍዕታትን መንግስቶም ስቕ ኢሉ ከም ዘይርእዮ ድማ ተዛሪቦም።
ፕረዚደንት ባይደን ደጋጊሞም፡ እቲ ኣዕኑድ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ሰብኣዊ መሰልን ክብሪ ሰብን ንምምላስ ሰፊሕ ዓለማዊ ምትሕብባር ከም ዘድሊን መንግስቶም ድማ ንዕኡ ኣቐዲሙ ክዓዪ ምዃኑን ኣዘኻኺሮም።