ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ኣብ ልዕሊ ፑቲን እገዳ ከምዘንብሩ የጠንቅቑ


ፕረዚደንት ባይደን ሩሲያ ንዩክሬይን እንተድኣ ወሪራታ ብውልቂ ኣብ ልዕሊ ፑቲን እገዳ ከምዝገብሩ ገሊፆም።ሩሲያ ንናይ ባይደን መጠንቀቕታ ነፂጋቶ።

ሩሲያ ንዩክሬይን ክትወራ ትኽእል እያ ብዝብል ኣሜሪካ 8,500 ወታሃደራታ ናብ ምብራቕ ኣውሮጳ ንምልኣኽ ምውሳና ሩሲያ ብዓብይ ስኽፍታ ትሪኦ ከምዘላ ገሊፃ።ዲፕሎማሲያዊ ፃዕርታት ኣብ ዝቐፀለሉ ኣመሪካን ኔቶን ወታጳደራዊ ምክልኻልን የሕይሉ ኣለው።

ሩሲያ ምስ ዩክሬይንን ቤላሩስምን ኣብ ዘዋስኑ ዶባታ ወታሃደራዊ ሓይላ ምውፋር ኣብ ዝቐፀለትሉፕረዚደንት ጆ ባይደን ትማሊ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ናይኣመሪካን ኔቶን ምክልኻል ንምሕያል ድልዊ እየ ኢሎም:ወታሃደራት ግን ናብ ዩክሬይን ክሳብ ሕጂ ኣይልኣኹን።

"ናብ ዩክሬን ዝኣትው እንተደኣ ኮይኖም ከቢድ ሳዕቤን ከምዘኸትል ንፕረዚደንት ፑቲን ንፁር ገይረሎም ኣለኹ።ኣገዳሲ ቁጠባዊ እገዳታት ሓዊሱ ናትናን ኔቶን ሃለዋት ኣብ ምብራቓዊ ግንባር ፖላንድ፣ሮማኒያ ወዘተ ንምሕያል ግቡኡ ኮይኑ ይስምዓኒ" ኢሎም።

ብውልቂ ኣብ ልዕሊ ፑቲን ማዕቐብ ከንብሩ እንተኾይኖም ተሓቲቶም "እወ" ክብሉ መሊሶም።

ኣመሪካ፣ብሪጣንያ፣ኣውስትራሊያን ጀርመንን ስድራ ዲፕሎማት ካብ ዩክሬይ ክወፁ ኣዚዘን ኣለዋ።

ገለ ሰበስልጣን ዩክሬይን ግን እዚ ካብግቡእ ንላዕሊ ብሚዲያ ይምጠጥ ዘሎ ኩነታት ስለዝኾነ ኣብ ዘይእዋኑ ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ ይብሉ።

ብዛዕባ ናይ ዩክሬይን ገምጋም ዝተሓተታወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ጀን ሳኪ ናብ ኣ እምሮ ፕረዚዳንት ፑትን ክኣትው ዝኽእል ዋላ ሓደ የለን ግን ኣብ ዶብ ምቅርራባት 100 ሽሕ ወታሃደራት ሓዊሱ ሓይለ ቃል ዝተሓወሶ ዘረባታትን ካልኦትን ንወራር ዝግበር ዘሎ ምድላው እዩ ኢለን።

ናይ ጀርመን መራሒ ኦላፍ ሾልዝ ንናይ ፈረንሳይ ፕረዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ትማሊ ሰሉስ ኣብ በርሊን ኣብ ዝተቐበልሉ ሩሲያ ንዩክሬይን እንተድኣ ወሪራታ ከቢድ እገዳታት ክኽተላ እዩ ኢሎም።ማክሮን ድሕሪ ፅባሕ ዓርቢ ንፑቲን ከዘራርቡዎም እዮም።

እዚ ዲምፕሎማሲያዊ ፃዕርታት ዝመፅእ ዘሎ ሩሲያ ንተዓዘብቲ ዘተሓሳሰበ ወታሃደራትን ወታሃደራዊ ናውትን ናብ ቤላሩስ ትልእኽ ኣብ ዘላትሉ እዋን እዩ።

ኣብ Quincy Institute for Responsible Statecraft ተንታኒ ዊሊያም ሃርታንግ ወታሃደራት ሩሲያ ናብ ቤላሩስ ምእታዎም ኣሰካፊ እዩ ምኽኒያቱ ሩሲያ ናብ ዩክሬይን ክትኣትው እንተድኣ ኮይና ዝሓሸ ኣቀማምጣ ዝህባ እዩ ይብል።

ዝሓለፈ ቀዳም ሚንስትሪ ምክልኻል ሩሲያ ኣብ ለካቲት ወታሃደራዊ ልምምድ ንምክያድ ነፈርቲ ውግእ ናብ ቤላሩስ ክልዓላ ዘርኢ ቪዲዮ ኣርእዩ ኣሎ።ሩሲያ ወታሃደራትን ወታሃደራዊ ናውትን ናብ ዶብን ቤላሩስን እናግዓዘት ንዩክሬይን ንምውራር ትልሚ የብለይን ትብል።ኣመሪካ እያ ንተፃብኦታት ተጎሃህር ዘላ ክትብል ሩሲያ ትከስስ።

ሩሲያ ንዩክሬይን እንተድኣ ወሪራታ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን እገዳታት ከንብር እየ ምባላ ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ ከምኡ ዝበለ እገዳታት ፖለቲካዊ ቃንዛ የብሉን ግን ‘’ዕንቅፋት’’ እዩ ኢሎም።

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርገይ ላቭሮቭ ሎሚ ረቡዕ ንኣባላት ፓርላማ "ምዕራባዊያን ምትኹታኾም እንተቐፂሎምሉ ሞስኮ ኣድላይ ናይ ሕነ ምፍዳይ ውሳነታት ክትወስድ እያ" ኢሎም።

ናይ ዩክሬይን ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ትማሊ ሰሉስ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምርግጋእ ተመሕፂኖም።

‘’ኩሉ ነገር ቀሊል ኣይኮነን ግን ክኣ ተስፋ ኣሎ’’ ዝበሉ ንሶም ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ነብስኹም ካብ ቫይረስ፣ኣእምሮኹም ካብ ሓሶታት፣ልብኹም ካብ ጭንቂ ተኸላኸሉ ኢኹም’’ ኢሎም።

ሩሲያ ዩክሬይን ካብ ኣባልነት ኔቶ ክትኽልከል ትሓትት፤ ምዕራባዊያን ድማ ናይ ሶቪየት ወራር ንምምካት ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝተመስረተን 30 ሃገራት ወታሃደራዊ ቃል ኪዳን ኣብ ዝኣሰራሉን ጥምረት ሞስኮ ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር ስልጣን ኣይንህብን ክብሉ ይነፅጉዎ ።

XS
SM
MD
LG