ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ይካየድ ዝነበረ ስለያ ክቋረጽ ወሲኖም


ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፣ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ይፍጸም ንዝነበረ ስለያ ንክቋረጽ ምውሳኖም ናእዳ ተሓለቅቲ ጉጅለታት መሓውራት ዜና ረኺቦም'ዮም።

እንተኾነ፣ ዴሞክራሲያዊያንን ሪፐብሊካዊያንን ‘ሚስጢራዊ ሓበሬታታት’ ንምፍላጥ፣ ንቴለፎናት ጋዜጠኛታት ስለዝጥቀሙ እዚ ፕረዚደንታዊ ውሳነ ክትግበር’ዶ ይኽእል ዝብል ሕቶ ኣበጊሱ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት፣ ሚኒስትር ፍትሒ ኣሜሪካ ብመሰረት ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ፌደራላዊ መርመርቲ ንጋዜጠኛታት ዘ ዋሽንግተን ፖስት፣ ዘ ኒውዮርክ ታይምስን ሲኤንኤንን ዝገበርዎ ቴለፎናዊ ዝርርብ ብሚስጢር ከምዝኣከቡ ከሺሑ ኣሎ።

እዚ መስርሕ’ዚ፣ ኣብ መጀመርታ እዋን ስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ተሓቲሞም ንዝወጹ ንሃገራዊ ጸጥታ ዝምልከቱ ሪፖርታት መን ከምዘልሐኾም ንምንጻር ዝተካየደ መርመራታት እዩ።

XS
SM
MD
LG