ዋሽንግተን —
መንፍቓዊ ምርጫ ኣመሪካ ሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ደሞክራሲ ዝግበር ዘሎ ዝበሎ ስግኣት ሓዲሽ መጠንቀቕታ ኣሰሚዑ። ነጸግቲ ምርጫ ንኣመሪካ ናብ ህውከት የአንፍትዋ ኣለዉ ክብል`ውን ወቒሱ።
“ውጽኢት ምርጫ ዘይቅበሉ" ዝበሎም ሕጹያት ኣብ ምርጫ ተወዳዲሮም ክስዕሩ ይወዳደሩ ከምዘለዉ ዝገለጸ ባይደን፡ ንኣመሪካ ናብ ዕግርግር ክመርሕዋ`ዮም ዝደልዩ፡ እዚ ድማ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ`ዩ ኢሉ።
ፕረ ባይደን ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፕረዚደንት ትራምፕ'ውን ንውጽኢት ምርጫ ብዘይምቕባልን ብምሕሳውን ነቒፍዎ ።
ኣብቲ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልታት ዝካየድ መንፍቓዊ ምርጫ፡ ኣንጻር ባይደን ዝኾኑ ሪፓብሊክን ንባይቶ ወከልቲ ንምቁጽጻር እኹል መንበር ክዕወቱ ከምዝኽእሉ መብዛሕቲኦም ዝተኣከቡ ርእይቶታት ህዝቢ የመልክቱ`ለዉ።