ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ኣሜሪካዊያን ክታበት ቫይረስ ኮሮና ክወስዱ ጸዊዖም


ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ዘይተኸተቡ ኣሜሪካዊያን፣ ንምድሓን ህይወቶምን ህይወት ካልኦትን ኢሎም ንክኽተቡ፣ ደጊሞም መጸዋዕታ የቅርቡ ኣለው። ምምሕዳሮም ክሳብ ሰንበት ዝተኸበረ መዓልቲ ነጻነት ክንከትብ ኢና ኢሉ ዘውጸኦ ትልሚ ሙሉእ ንሙሉእ ኣይተዓወተን።

ባይደን ንመዓልቲ ነጻነት ሃገሮም ምስ በዓልቲ ቤቶምን ሓደ ሽሕ ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘኽበርሉ እዋን "ቅድሚ 245 ዓመታት፣ ካብ ናይ ርሑቅ ንጉሳዊያን መግዛእቲ ነጻ ወጺእና። ሎሚ ድማ፣ ካብ’ቲ ዘይምሕር ቫይረስ ንገላገለሉ ጊዜ ንምብጻሕ ተቓሪብና ንርከብ። ከምኡ ክብል ከለኹ ግና፣ ውግእ ኣብ ልዕሊ ኮቪድ 19 ተዛዚሙ ኣሎ ማለተይ ኣይኮንኩን። ገና ብዙሕ ዝዕየ ስራሕ ይጽበየና ኣሎ። ማዕረ ኣብ 1776 ዝኣወጅናዮ ነጻነትና ንተወሳኺ ተግባር ዝዓደመና፣ ሎሚ’ውን ብተመሳሳሊ ተወሳኺ ስራሕ ይጽበየና ኣሎ"ኢሎም::

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዘረበኦም፣ ኣንጻር ቫይረስ ኮሮና ሎሚ ክንገብሮ ዝግባኣና ሓርበኛዊ ስራሕ ክታበት ምውሳድ እዩ፣ እቲ ቫይረስ ዛጊት ንህይወት 600 ሽሕ ኣሜሪካዊያን መንጢሉና እዩ ኢሎም።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፣ ዴልታ ዝተሰመየ ዓይነት ቫይረስ ኮሮና ተዘርጊሑ ከምዘሎ ሰብ ሞያ ይሕብሩ።

ምምሕዳር ባይደን ብወገኑ፣ ክሳብ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ን70 ሚእታዊ ኣሜሪካዊያን ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ንምልጋስ ወሲኑ ነይሩ። ዛጊድ በዝሒ ዝተኸተቡ ግና 67 ሚእታዊ ጥራሕ ከምዝኾኑ ማእከል ቁጽጽርን ምክልኻልን ኣሜሪካ ኣፍሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG