ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ንፕረ.ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዋይት ሃውስ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም


ፕረ.ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ- ፋይል
ፕረ.ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ- ፋይል

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፣ ንፈለማ ጊዜ ንኣፍሪቃዊ መራሒ ኣብ ዋይት ሃውስ ብምትእንጋድ፣ ንፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ሎሚ ሓሙስ ተቀቢሎም: ኣዘራሪቦም።

ብመሰረት ዋይት ሃውስ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ኣኼባ ንጉዳያት ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ'ውን ጸጥታዊን ቁጠባዊ ምዕባለን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ከምዘጠቃልል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ሎሚ ሓሙስ ርክብ ባይደንን ኬንያታን ይሳለጥ ዘሎ፣ ኣብ ጎረቤት ኬንያ ዝኾነት ኢትዮጵያ ውግእን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን’ዩ። ቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ንሕቡራት ሃገራት ሪፖርት ዘቅረቡ ኬንያታ "ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለው ሓይልታት፣ እቲ ግጭት ወትሃደራዊ መዕለቢ ስለዘይረክብ፣ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክገብርሉ" ከምዝግባእ ጠቂሶም ኔሮም።

XS
SM
MD
LG