ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ትማሊ ኣብ ፔንስሊቫኒያ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ‘ዲሞክራሲ’ ዝብል ቃል ልዕሊ 20 ግዜ ብምፅዋዕ ብሰንኪ ትራምፕ ዝድግፎም ሪፓብሊካን ናይ ኣመሪካ ዲሞክራሲ ኣብ ሓደገኛ ቀራና መንገዲ ይርከብ ኣሎ ኢሎም።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣመሪካ ኣብ ቀራና መንገዲ ትርከብ ዝብል እምነት ኣለዎም ።ትማሊ ሓሙስ ምሽት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ክሲ ናብ ሓደ ሰብ ደርቢዮምዎ ኣለው።
"ሎሚ ሪፓብሊካን ፓርቲ ብዶናልድ ትራምፕን ሜጋ ሪፓብሊካዊያንን እናተደፍአን እናተሸማቐቐን ከምዝርከብ ዘተሓታት ኣይኮነን።እዚ ነዛ ሃገር ስግኣት እዩ።"
ባይደን ኣብ ናይ 25 ደቓይቕ መደርኦም ካብ 25 ግዜ ዘይውሕድ ዲሞክራሲ ዝብል ቃል ኣልዒሎም።
ትራምፕ ምርጫ 2020 ተሰሪቑ ምባሎም፣ ምዕፋን መረፀቲ ኣብ ቁልፊ ክፍለ ግዝኣታትን 6 ጥሪ 2021 ኣብ ካፒቶል ሂል ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኣተባቢዖምን ብዝብል ምስ ትራምፕ ጠጠው ንዝበሉ ሪፓብሊካን ንምንቃፍ እቲ ቃል ተጠቒሞምሉ ኣለው።
ንቕድሚት ዝወስድ ዝሓሸ መንገዲ ብዝምልከት እውን ከምዚ ኢሎም።"ንቕድሚት ዝወስድ ዝሓሸ መንገዲ ክንመርፅ ንኽእል።ናይ መፃኢ ዕድል፣ሕልምን ተስፋን ንምህናፅ ኣብ ዘኽእለና መንገዲ ኢና ዘለና።"
ቅድሚ እቲ መደረ ሪፓብሊካዊ ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ኬቪን ሚካርቲ ምክፍፋል ብምፍጣር ንባይደን ከሲሶምዎም።
"እቲ ፕረዚደንት ሎሚ ምሸት ኣብ ኣዳራሽ ኢንዲፐንደንስ ሆል መደረ ክስምዕ ከሎ ካብ ኣፉ ዝወፅእ ናይ መጀመሪያ ቃል ሚሊዮናት ኣመሪካዊያን ከም ፋሽሽት ብምቑፃሩ ይቕሬታ ምሕታት እዩ ዝኸውን።"
ባይደን ኣብዚ ሰሙን እዚ ናብ ክፍለ ግዝኣት ፐንስሊቫኒያ ንኻልኣይ ግዜ ተጓዕዒዞም ኣለው።ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ናይ ፍርቂ ዘመን ምርጫ እታ ክፍለ ግዝኣት ኣብ መንጎ ናይ ባይደን ዲሞክራት ሰልፊን ናይ ትራምፕ ሪፓብሊካን ሰልፊን ዝለዓለ ተዋዳዳሪነት ዝርኣየላ ክትኸውን እያ።
ንፕረዚዳንታዊ መደረ ዘፅንዑ ምሁራት ታሪኽ ምርጫ ዝካየደሉ ሕዳር እናቐረበ ብዝኸደ ቁፅሪ ድምፀት መደረ ባይደን ይቕየር ኣሎ ይብሉ።ኣብ ዩኒቨርስቲ ቴክሳስ ዝሰርሕ ጀረሚ ሱሪ በሊሕ ዘረባ ናይቶም ፕረዚደንትን ካልኦት ዴሞክራትን ይሰርሕ ኣሎ ይብል።ብዙሓት ኣባል ፓርትታት ዘይኮኑ ኣድመፅቲ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ዋላ እውን ኣብ ዓቃባዊያን ክፍለ ግዝኣታት ቴክሳስን ካንሳስን ሪፓብሊካዊን ሕጊ ተጣሒሱ ብዝብሉዎ ዜናታት ከምዝሰልቸው ይዛረብ።
ኣመሪካዊያን መሰላት ዲሞክራሲኦም ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ከለው መን ይዕወት፧ ኣብ ሕዳር ዝርአይ ይኸውን።