ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ንተወዳዳሪት ኣመሪካ ዘሓይል ሕጊ ኣብ ምፍራይ ኮንዳክተራት ፈሪሞም


ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ነቲ ምስ ቻይና ዘሎ ውድድር ንምሕያል ኣብ ምፍራይ ሰሚ ኮንዳክተርን ሳይንሳዊ ምርምር ዝውዕል ብቢልዮን ዶላር ዝቑጸር ገንዘብ ምስልዖም ዝገልጽ ውሳነ ፈሪሞም።

ነቲ ሕጊ ድሕሪ ምፍራሞም ፕረዚደንት ባይደን ኮንዳክተክተርስ (ቺፕስ) ንጊዚያዊ ነገራት ጥራሕ ዘይኮነ ንሚሳይል መጻኢ ዘበን ንምህናጽ’ውን ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ዝሓለፈ ዓመት ዘጓነፈ ሕጽረት ኮንዳክተር (ቺፕስ)፣ ንኩባንያታት መካይን፣ ኤለክትሮኒካዊ ኣቑሑትን ካልኦት ነገራትን ዕንቕፋት ከምዝፈጠረ ዝዝከር እዩ።

ሕጊ ቺፕስን ሳይንስን 52 ቢልዮን ዳለር፣ ኣብ ፍርያት እቲ መለዋወጢ ኣቅሓ ንኽውዕል፣ አብ ወፍሪ ኮንዳክተር ንዝወፍሩ ድማ ናይ ግብሪ ምንካይ ንክረኽቡን ዘኽእሎምን እዩ።

XS
SM
MD
LG