ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ባይደን ንተሓታትነት ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝምልከት መዘክር ፈሪሞም


ፋይል
ፋይል

ንምክልኻል ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብ እዋን ጎንጺ ዝምልከት ዋዕላ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ይካየደሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን’ውን ነቲ ንተሓታትነት ፈጸምቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝምልከት መዘከር ሎሚ ሰሉስ ፈሪሞም። ነቲ መዘከር ኣመልኪቱ ካብ ቤተ መንግስቲ ዋይት-ሃውስ ኣብ ዝተዘርግሐ መግለጺ፡ ንጎበጣ ሩስያ ንዩክሬንን ኢትዮጵያን ዝኣመሰላ ጎንጺ ዝካየደለን ዘሎ ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ጾታዊ መጥቃዕቲን ስእነት ተሓታትነትን እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ምምሕዳሮም ኣብ ልዕሊ ፈጸምቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ሸለል ከም ዘይብል ዘመልከቱ ፕረዚደንት ባይደን፡ እቲ ዝፈረሙዎ መዘከር ንፈጸምቲ በደል ምእጋድን ተሓታትነት ከም ዝህሉዎ ምግባርን፣ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝግበኦ ኣቓልቦ ምርካብ፣ ምስ ኣብ ተመሳሳሊ ስራሓት ዝነጥፉ ኣካላት ብሓባር ምስራሕ ከም ዘጠቓልል ኣመልኪቶም።

XS
SM
MD
LG