ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ባይደን ንስቱር-ባጤራ ኣመልኪቶም ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ የሕሊፎም


ፕረዚደንት ጆ ባይደን
ፕረዚደንት ጆ ባይደን

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ባንክታት ኣመሪካ ንምጥቃም ስቱር ባጤራ (ክርይፕቶ-ካረንሲ) ኣመልኪተን ደቂቕ መጽናዕቲ ክገብራን ንሳተን’ውን ናተን ስቱር ባጤራ ክገብራ ኣድላይ እንተ መሲሉ ነቲ ተኽሎታት ክፍትሸኦን ንማዕከን ሃብቲ (Federal Reserve) ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ሂቦም።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ፡ እቶም ፕረዚደንት ነቲ ትእዛዝ ዝሃቡ፡ ምስ ቅልጣፈን ህቡብነትን እቲ ባጤራ ንምጕዓዝ፡ ከምኡ’ውን ሩስያ ድሕሪ ዝተገብረላ ማዕቀብ በቲ ስቱር ባጤራ ክትጥቀም ተኽእሎታት ስለ ዘሎ’ዩ።

ብመሰረት ተዋሂቡ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካን ካልኦት ፋይናንሳዊ ትካላትን ንብልጫታትን ክህሉ ዝኽእል ሓደጋታትን እቲ ባጤራ ብዓሚቝ ከጽንዐኦ’የን።

መምርሒ ፕረዚደንት ባይደን ዝወሃብ ዘሎ፡ ሓያሎ ኣባላት ሓገግቲ ኣካል ኣመሪካ፡ ብዛዕባ ሩስያ ክትወስዶ እትኽእል ስጕምታት እዅል ምድላዋት ኣይተገብረን ዝብል ነቕፌታ ኣብ ዘስምዕሉ እዋን’ዩ።

ብመሰረት መንግስታዊ ዳህሳስ ኣስታት 40 ሚልዮን ኣመሪካውያን ተጠቀምቲ ናይዚ ስቱር ባጤራ ክዀኑ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ካብኣቶም መንእሰያት’ዮም።

ኣሶሸትድ ፕረስ ኣብ ፋይናንሳዊ ጽላትን ባንክታትን ዝሰርሑ ወገናት፡ ንምጥቃም እዚ ስቱር ባጤራን ፕረዚደንታዊ ትእዛዝን ዝምልከት ዝተፈራረቐ ግብረ መልሲ ይህቡ ኣለው።

XS
SM
MD
LG