ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ንምውጻእ ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝምልከት መደረ ክህብ'ዩ


ፕረ.ባይደን
ፕረ.ባይደን

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ካብ ኣፋጋኒስታን ጠቕሊሉ ንምውጻእ ኣብ ዘቐመጦ ደረት ግዜ ምጽንዑ፡ ካብ ፖለቲካዊ ተቓወምቱን ካብ ደገፍቱን ነቔፈታ ይስዕቦ`ሎ። ባይደን ብዛዕባ ውሳነታቱን ብዛዕባ`ቲ 20 ዓመት ዘቑጸረ ኩናት ኣፍጋኒስታንን ሎሚ ምሸት ንህዝቢ ኣመሪካ መድረ ከስምዕ`ዩ፡

ባይደንን ሰበ-ስልጣን ምምሕዳሩን ንሰሙናት ብዛዕባ ኣብ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ መወዳእታ ነሓሰ ምጽናሕን ምውጻእን፡ ብዛዕባ ምግዓዝ ዜጋታት ኣመሪካን፡ ካልእ ጸጥታዊ ጉዳያት ክዘራረቡ ጸኒሖም `ዮም። ኣብ መወዳእትኡ ግን ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ውሳንኡ ጸኒዑ፡ እቲ ጠቕሊልካ ምውጻእ፡ ካብ ሎሚ 31 ነሓሰ ከምዘይሓልፍ ኣፍሊጡ`ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ብዛዕባ`ቲ ሎሚ ምሸት ዝገብሮ መደረ ትማሊ ሰኑይ ንሓጺር ጊዜ ክዛረብ ከሎ፡ ወሃደራቱ ኣብ ካቡል ክጸንሑ ዘይደለየሉ ምኽንያት ከምዘብርህ ኣተንቢሁ ኔሩ።

ፕረዚደንት ባይደን "ኣሕሉኽ ጠቕለልቲ ወተሃደራዊ ስታፍን፡ ኣብቲ ባይታ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ብሓደ ድምጺ ዝሃብኦ ሓሳብ`ዩ ካብ ካቡል ዝግበር ምግዓዝ ነፈርቲ ሎሚ ክንዛዝሞ ዝወሰና " ኢሉ ። እቲ ውሳነ ንድሕነት ኣመሪካውያን ወተሃደራትን ኣፍጋን ሲቪላትን ምዃኑ`ውን ተዛሪቡ።

ባይደን ኣስዒቡ "ጣሊባን፡ ውሑስ ምውጻእ ክህሉ ቃል ኣትዮም`ዮም- ዓለም ድማ ኣብ ቃሎም ክርከቡ ክጽበዮም`ዩ" ኢሉ ።

እንተኾነ፡ ባይደን ኣብ ደረት ምውጻእ ምጽንዑ- ነቔፈታ ይመጾ`ሎ- ካብ ተቓወምቱን ደገፍቱን። ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ትወጽእ ዘላ፡ 20 ዓመት ሽበራዊ መጥቃዕቲ መስከረም 11 ንኽዝከር መዓልታት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን`ዩ- እዚ መጥቃዕቲ`ዚ`ዩ ንኣመሪካ ናብ ኣፍጋኒስታን ወሲድዋ- ንኣልቃዓይዳ ንክትሃርም- ከምኡ ነቶም ዘዕቆብዎም ጣሊባን።

ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ጀነራል ከነት ምከንዚ ትማሊ ሰኑይ ብዛዕባ`ቲ ኩነታት ክገልጽ ከሎ፡ ንቢን ላዲንን ብዙሓት መሳርሕቱን ናብ ፍትሒ ዘምጽአ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣፍጋኒስታን፡ ከቢድ ዋጋ ከምዘኽፈለ ጠቒሱ ኔሩ። 2,461 ወተሃደራት ኣመሪካ ምሟቶምን ልዕሊ 20 ሺሕ ምቑሳሎም ብምዝካር ድማ ነቶም ናብ ኣፍጋኒስታን ወፍሮም ዝተዋግኡ ኣማኢት ኣሸሓት ወተሃደራትን ሲቪላትን መጒሱ ።

ሽሕ`ኳ ቁጽሮም ዘይተነጸረ ብዙሓት ኣብ ኣፍጋኒስታን ከምዝተረፉ ዝእመን እንተኾነ ሕጂ ካብ ኣፍጋኒስታን ልዕሊ 123 ሺሕ ሲቪላት ክወጹ ከምዝሓገዙ ሰበ-ስልጣን ይዛረቡ- ።

ወተሃደራዊ ህላወ ኣመሪካ ኣብቂዑ- ዝቕጽል ዲፕሎማሲያዊ ብድሆ ምዃኑ ይግለጽ። ኣመሪካ ሕጂ ኣብ ካቡል ዲፕሎማሲያዊ ህላወ የብላን፡ ሓላፊ`ቲ ኢምባሲ ዝነበረ ሮስ ዊልሰን ምስታ ናይ መወዳእታ ነፋሪት ወጺኡ`ሎ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣንተኒ ብልንከን፡ ኣብ ባህርያት ጣሊባንን ሓፈሻዊ ኩነታት ጸጥታን ዝምርኮስን`ዩ ብምባል ኣብ ካቡል ኢምባሲ ዳግም ንምኽፋት ዘሎ ዕድላት ክፉት ገዲፍዎ`ሎ።

ጣሊባን ብወገኑ፡ ሃገራት ኣመሪካ ከይተረፈ ዲፕሎማሲያዊ ህላውአን ክቕጽላ ሓቲቱ`ዩ- ንድሕነትኩም ውሕስነት ንህብ ኢና ዝብል ቃል `ውን ኣስሚዑ`ዩ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ኣህጉራዊ መሻርኽትን ግን ኣብ ቃላት ዘይኮነ ብተግባር ክንርኢ ንደሊ ይብል ።

ቱርኪ- መሻርኽቲ ኣመሪካን ኔይቶን- ኣብ ካቡል ዲፕሎማሲያዊ ህላዊኣ ከምትቕጽሎ ኣፍሊጣ`ላ። ፕረዚደንት ኤርዶጋን ኣብ ካቡል ዘሎ ኢምባሲ ቱርኪ ናብ ህንጽኡ ተመሊሱ`ሎ- ኢሉ ።

ሕጂ ዘሎ ዝዓበየ ሻቕሎት፡ ኣብ ኣፍጋን ዝንቀሳቐስ ዳዕሽ`ዩ- ዝሓለፈ ሓሙስ ንዝተፈጸመን 169 ኣፍጋናውያንን 13 ወተሃደራት ኣመሪካን ዝቐተለን ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ'ሎ። ትማሊ ሰኑይ`ውን ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ሮኬታት ምድርባዩ ኣፍሊጡ`ዩ- ሽሕ`ኳ ኣርባዕተ ካብቲ ዝተወንጨፈ ሮኬታት ዒላምኦም ምስሓቶም ሓደ ድማ ብናይ ኣመሪካ ጸረ-ሚሳይል ተወቒዑ ምውዳቑ ፐንታገን ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG