ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ ንሶም ዝሓተትዎ 2 ትሪልዮን ዶላር፣ ከቢድ ሕጽረት ንዝራኣየሉ ኤለክትሮኒካዊ ኣቅሓ (ሰሚ ኮንዳክተርስ) ንምፍኳስ ከምዝውዕል’ውን ገሊጾም። እቶም ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጹ "ምስ ብደረጃ ዓለም ዘጋጠመ ሕጽረት ሰሚኮንዳክተርስ ስራሓቶም ዝተጎድኡ ወነንቲ ኩባንያታት መኪናን ካልኦት ዓበይቲ ኩባንያታትን ተራኺቦም ድሕሪ ምዝርራቦም እዩ።
ፕረ.ባይደን "እዞም ችፕሳት ፣ዋፈር ፣ባትሪ ብሮድ ባንድ እዮም ኩሎም መሰረተ ልምዓት እዮም ። ኣብ ክንዲ ነቲ ናይ ትማሊ ንጽግን እዋን ዝጠልቦ መሰረተ ልምዓት ክንሃንፅ ይግባእ ። ብሙኳኑ እቲ ዘቅረብኩዎ ውጥን ብሚልየን ዝቁፀር ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ኣሜሪካ ከም ብሓዱሽ ዝሃንፅ ፣ሰንሰለታት ቀረባትና ንምሕላውን ምህርትታት ኣሜሪካ ዘበራብር እዩ ። ከምኡ'ውን ምርምርን ልምዓትን ኣሜሪካ ዓብዪ ሞተር ኮይኑ ዘንቀሳቅስ እዩ ።ዓለም ኣብ መፋርቅ 20 ክ/ዘመን መሪሕናያ ፣ኣብ መወዳእታ እቲ ክ/ዘመን'ውን ደጊምና ከኣ ክንመርሓ ኢና" ኢሎም ።
ባይደን ዕላማ እቲ ኣኼባ ኣብውሽጢ ዓዲ ኢንዱስትሪታት ሰሚኮንሳክተራት ንምጥንኻርን ሰንሰለታዊ ቀረብ አሜሪካ ከመይ ምውሓስ ከምዝከኣል ንምርኣይ ዝዓለመ እዩ ኢሎም ።
ወሃቢት ቃል ዋይት ሃዉስ ጄን ፕሳኪ ንጋዜጠኛታት ከምዝበለኦ ምምሕዳር ባይደን ኣካል እቲ ቀፃልነት ዘለዎ ተሳትፎን ዘተን ብሙዃን ከመይ እዩ ኣብ ነዊሕን ሓፂርን እዋን ብዘሐሸ መልክዑ ምፍታሕ ዝከኣል ዝብል ዕላማ ዝሓዘ ሙኳኑ ኣቀዲምን ገሊፀን ነይረን ።
ባይደን ዕላማ እቲ ኣኼባ ኣብውሽጢ ዓዲ ዝፈርዩ ሰሚኮንዳክክተራት ንምሕያልን ሰንሰለታዊ ቀረብ አሜሪካ ከመይ ምውሓስ ከምዝከኣል ንምርኣይ ዝዓለመ እዩ ኢሎም።
ወሃቢት ቃል ዋይት ሃዉስ ጄን ፕሳኪ ንጋዜጠኛታት ከምዝበለኦ ምምሕዳር ባይደን ኣካል እቲ ቀፃልነት ዘለዎ ተሳትፎን ዘተን ብምዃን ከመይ እዩ ኣብ ነዊሕን ሓፂርን እዋን ብዘሓሸ መልክዑ ምፍታሕ ዝከኣል ዝብል ዕላማ ዝሓዘ ምኳኑ ኣቀዲምን ገሊፀን ነይረን ።
ዋይት ሃዉስ ትማሊ ሰኑይ ኣማስዩ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣብ ኣኬባ ዝተሳተፉ ኣብ ቀረብ ሰሚኮንዳክተራት ዘሎ ሰንሰለታዊ ግልፅነት ነቶም ዘለዉ ሕፅረታት ዘቃልልን ኣብ ዙርይኡ ዘለዉ ሰንሰለታዊ ምርምራት ምምሕያሽን ኣድላዪ ምዃኑ ሓቢሮም ይብል ።
ከም ሓበሬታ ዋይት ሃዉስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ከፅድቅዎ ትፅቢት ዝግበር ውጥን እቲ መሰረተ ልምዓት 50 ቢልየን ዶላር ንመፍረይ ንግዳዊ ወሰንቲ ፍርያት ዝመርሕ ሓዱሽ ቢሮ መጣየሺ ዝውዕልን 50 ቢልየን ዶላር ድማ ንመፍረይትካላት ሰሚኮንዳክተር ንምዕባይ ዝውዕል ምኳኑ ሓቢሮም።