ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ንመዓልቲ ሰብኣዊነት ብምምልካት መግለጺ ሂቦም


ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንመዓልቲ ዓለምለኸ ሰብኣዊነት ምኽኒያት ብምግባር ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣብ ስራሕ ህይወት ኣድሕን ተዋፊሮም ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ክብርን ሓለዋን የድልዮም ኢሎም።

ቅድሚ 19 ዓመታት ኣብ ከተማ ባግዳ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ግብረሽበራ ህይወት ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ምጥፍኡ ብምዝኽኻር ንዕኣቶምን ንመስዋእቲ ካልኦት ኣሽሓት ዝተቐተሉ፣ዝቖሰሉን ዝተጨወዩን ሰራሕተኛታትን ኣብዛ ዕለት ክንዝክሮም ኢና ኢሎም።

ኣብዚ ዓመት ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ሰብኣዊ ረድኤት ትደሊ ኣላ ዝበሉ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መግለፂኦም ልዕሊ 300 ሚሊዮን ሰባት ፅሩይ ዝስተ ማይ፣ህፁፅ መድሃኒት፣መፀለሊ፣መግቢን ሓለዋን ካልኦት ኣገልግሎታትን ክበጽሖም ዝደልዩ እዮም ኢሎም።ልዕሊ 100 ሚሊዮን ሰባት ድማ ብዘይድልየቶም ዝተመዛበሉ:ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ንጥምየት ተቓሊዖም ኣለው ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምምሕዳሮም 13 ቢሊዮን ዶላር ንሰብኣዊነት ብደረጃ ዓለም፣ሃገራትን ከባቢን ንዝግበሩ ፃዕርታት ከምዝመደበ ገሊፆም።እዚ ድማ መጥቓዕቲ ይፍፀሞም ንዘሎ ዩክሬይናዊያን መግብን ረድኤት ንምቕራብ፣መሰረታዊ ድልየት ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ንምምላእ፣ኣብ ሶማል እናዓበየ ይኸይድ ዘሎ ሕፅረት ኣመጋግባ ቆልዑ ንምፍታሕ፣ኣብ ክልል ትግራይ ግዳያት ፆታዊ መጥቓዕቲ ንዝኾና ንምሕጋዝ፣ናብ ጆርዳን፣ባንግላድሽን ኮሎምቢያን ንዝኣትው ሚሊዮናት ስደተኛታት ንምሕጋዝን ዝውዕል እዩ ኢሎም።

ኣመሪካ ኣብ ዓለም እታ ዝዓበየት ኣቕራቢት ሰብኣዊ ረድኤት ምዃና እቲ መግለጺ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG