ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ንለውጢ ክሊማ ዝምልከት ብርክት ዝበሉ ትግባረታት ፈሪሙ


ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ሎሚ ንለውጢ ክሊማ ዝምልከት ብርክት ዝበለ ትግባረታት ፈሪሙ`ሎ። ባይደን ኣብ ምክትታል ለውጢ ክሊማ ልዑል ተገዳስነት ብምርኣይ ንሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ጆን ከሪ ፍሉይ ልኡኽ ጉዳይ ለውጢ ክሊማ ጌሩ ሸይምዎ`ሎ።

ባይደን ንኣሜሪካ ናብቲ ኣብ ፓሪስ ዝተኸተመ ውዕል ለውጢ ክሊማ ንምምላስ ኣብ ቀዳማይቲ መዓልቲ ስልጣኑ ፈሪሙ`ዩ።

ኣብዚ ወርሒ`ዚ ስልጣኑ ዘረከበ ዶናልድ ትራምፕ ንኣሜሪካ ካብ ውዕል ፓሪስ ምውጽኡ ይዝከር።

ኣብ ሳይንስ ዝተመርኮሰ ስጉምቲ ክውሰድ ዝደሊ ፕረዚደንት ባይደን ሕጂ ዝመጽእ ሚያዝያ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ዋዕላ ለውጢ ክሊማ ክተኣናገድ ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG