ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ተሳትፎ ሃገሮም ኣብ ዓለም ከምዝውስኽ ሓቢሮም


ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ኣሜሪካ ኣብ ዓለም ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ ንልዑል ደረጃ ከም ተሕይሎ ኣፍሊጡ። ባይደን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ንፖሊሲ ወጻኢ ዝምልከት መደረ ፡ ኣመሪካ ተመሊሳ`ላ ክብል ኣውጁ።

ኣሜሪካ ኣብ የመን ንዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒት ትህቦ ድጋፍ ከብቅዕን ናብ ዲፕሎማሲ መስርሕ ክእቶን ዝኣዘዘ ፕረዚደንት ባይደን፡ ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ ስደተኛታት ብዝምልክት ነቲ ዝጸንሐ ኮታ ክብ ከም ዘብሎ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ። ባይደን ኣብቲ ናይ ትማሊ መደርኡ፡ ነቲ ዝመጽእ ዘሎ መበል 34 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ብምግላጽ፡ ምስ ኣፍሪቃ ተወሃሂድካ ምስራሕ ዘለዎ ድልየት ገሊጹ`ሎ።

ባይደን- ኣብቲ ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝገበሮ ፈላማይ ዓቢይ ንፖሊሲ ወጻኢ ዝምልከት መደረ "ኣሜሪካ ተመሊሳ`ላ ዲፕሎማሲ ተመሊሱ`ሎ" ክብል ኣዊጁ ፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ"ንስኻትኩም ማእከል ናይቲ ኩሉ ክገብሮ ዝሓስቦ ዝለኹ ኢኹም" ኢልዎም ።

"ኣሜሪካ ካብ ናይ ዓለም መድረኽ ክትስወር ኣየዋጽእን`ዩ- ማእከል ፖሊሲ ወጻኢና`ውን ንሱ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

መሻርኽቲ ኣሜሪካ ዝዓበዩ ጸጋታትና`ዮም ዝበለ ባይደን፡ ኣብ እዋን ትራምፕ ዝነበረ ፖሊሲ ወጻኢ'ኣሜሪካ ቀዳምነት' እናበልካ ምስ መሓዙት ዘኳሪ ኣካይዳ ደጊም የለን ኢሉ።

ንቻይና ዝምልከት ባይደን ክዛረብ ከሎ፡ ኣብ ዘርብሓና እዋን ምስ በይጂንግ ክንሰርሕ ኢና ኢሉ።

ንሩስያ ኣብ ዝምልከት ድማ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ኣሜሪካ ን ሩስያን ነቲ ንዓረራት ኑክሌር ንምቁጽጻር ዝምልክት START ተባሂሉ ዝፍለጥ ውዕል ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ክናዋሕ ተሰማሚዐን`የን።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሊንከን`ውን ምስ ሩስያ ዘለና ብድሆታት ብንጹር ዓይኒ ንከታተሎ`ዩ ዝኸውን ክብል ተዛሪቡ ኔሩ`ዩ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብቲ ናይ ትማሊ ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ተረኺቡ ዘስምዖ ፖሊሲ ወጻኢ፡ ኣብ የመን ንዝካየድ ወተሃደራዊ ዘመተ ኣሜሪካ ትህቦ ድጋፍ ጠጠው ኢሉ- ኩሉ ነገር ናብ ዲፕሎማሲ ክቕየር ከም ዘለዎ ኣሰሚዑ ኔሩ።

ባይደን ብዛዕባ የመን ክዛረብ ከሎ"እቲ ኩናት ከብቅዕ ኣለዎ። ድልውነትና ንምስማር ድማ ኣብ ኩናት የመን ብኣሜሪካ ዝውሃብ ዝነበረ ድጋፍ መጥቃዕትታት ደው ነብሎ ኣለና። ንሱ ድማ መሸጣ ኣጽዋራት`ውን ዝሓወሰ`ዩ" ኢሉ ።

ባይደን ንጉዳይ የመን ዝምልከት ሓደ ናይ ስራሕ መዝነት ብምፍጣር፡ ንነባር ዲፕሎማት ቲም ለንደርኪንግ ሓዲሽ ልኡኹ ንክኸውን ሸይምዎ`ሎ።

ብዛዕባ`ዚ ሓዲሽ መዝነት ርእይትኡ ዝሃበ ኣብ ማእከል ዕብየት ኣሜሪካ ዝተባህለ ትካል ዝሰርሕ፡ ብራያን ካቱሊስ፡ እቲ ሽመት ዓቢይ መልእኽቲ ዘሕልፍ`ዩ ይብል።

እዚ ተንታኒ"ኣመሪካዊ ዲፕሎማት ናብኡ ምምዳብ፡ ኣሜሪካ እቲ ግጭት ንክፍታሕን ሓደ ነገር ክፍጠርን ልዑል ድልየት ከምዘለዋ ሓያል መልእኽቲ ዝሰድድ`ዩ" ይብል ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ብዛዕባ ምቕባል ስደተኛታት ዝምልከት ካልእ ዓቢይ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ኣሰሚዑ ኔሩ ኣብቲ ናይ ትማሊ መደርኡ፡ "ንምቕባል ስደተኛታት ዝምልከት ፕሮግራምና ናብ ዝነበሮ ክምለስ እቲ ከቢድ ስራሕ ክጅመር ተፈጻሚ ውሳነ የጽድቕ ኣለኹ" ዝበለ ባይደን- እዚ ውሳነ`ዚ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ዘይነበረ ዝበሎ ዓለማዊ ኣድላይነት ንምምላእ ዝሕግዝ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ብኻልእ ፖሊስ ወጻኢ ኣብ ማይንማር ንዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ`ውን ዝኾነነ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንሲቪል ስልጣን ከሕልፍ፡ ንሲቪላት መራሕቲ ክፈትሕን፡ መስመራት ኢንተርነት ናብ ዝነበሮ ክመልስን ጸዊዑ`ሎ።

እቲ ፕረዚደንት ብተወሳኺ፡ ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዉ ሓይልታት ኣሜሪካ ብዝምልከት ሓፈሻዊ ዳግመ ግምገማ ከምዝግበር ብምግላጽ፡ ነቲ ትራምፕ ሓሲብዎ ዝነበረ ካብ ጀርመን ምስሓብ ወተሃደራት ኣደስኪልዎ ኣሎ።

እቲ ስጉምቲ ንምሕዝነት ጀርመንን ካልኦት መሻርኽትን ዳግም ዘረጋግጽ ምዃኑ ድማ ተንታኒ ፖሊሲ ብራያን ካቱሊስ ይገልጽ።

እዚ ተንታኒ"እቲ ስጉምቲ ዘርእዮ ነገር እንተሃለወ፡ ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ናብ ዝነበሮ ይምለስ ምህላዉ`ዩ- ንሱ ድማ ምስ መሻርኽትን ደሞክራቲክ መሓዙትን ተቐራሪብካ ንምስራሕ ማለት`ዩ" ይብል ።

ንኣፍሪቃ ብዝምልከት፡ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብሽም ህዝቢ ኣሜሪካ ሰናይ ድልየተይ ይገልጽ ዝብል መልእኽቲ ዘሕለፈ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ እዚ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዓለምና ከመይ ዝተኣሳሰረት ምዃናን፡ መጻኢ ዕድልና ኣብ ሓደ ዝተጠምረ ምዃኑን ዘርኣየና`ዩ ኔሩ ኢሉ።

"በዚ ምኽንያት`ዚ`ዩ ምምሕዳረይ ኣብ ዙርያ ዓለም ሽርክነት ዳግም ንምህናጽን፡ ከም ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ዝበሉ ኣህጉራውያን ትካላትን ዳግም ጽምዶ ንምሕያል ዝሰርሕ ዘሎ" ዝበለ ባይደን፡ ንዝሓሸ መጻኢ ናይ ሓባር ራኢና ብሓባር ንክነሰጉም ተወሃሂድና ክንሰርሕ ኣለና ኢሉ።

ኣስዒቡ እቲ መጻኢ ዕድል፡ ንኹሎም ዜጋታት ሰላምን ጸጥታን ዘውሕስ፡ ኣብ ደሞክራቲክ ትካላትና ወፍሪ ዝገብር ከምኡ`ውን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ኩሎም ዝሰርሕ መጻኢ ክኸውን ይግባእ ኢሉ።

እቲ መሰል ድማ ንኣዋልድን ደቀንስትዮን፡ LGBTQ ፡ ስንኩላን፡ ካብ ኩሉ ዘርኢ፡ ሃይማኖትን መበቆልን ዝመጹ ዘቓልል ክኸውን ኣለዎ ዝበለ ባይደን፡ ናብቲ ከምኡ ዝበለ መጻኢ ንምብጻሕ፡ ነቲ ከም ዓለማዊ ጥዕና ምስዓር ኮቪድ 19፡ ዝበሉ ብድሆታት ምግጣም ከድሊ`ዩ ከምኡ`ውን ምስ ማእከል ምቁጽጻር ሓማማት ኣፍሪቃ ምስራሕ ከድሊ`ዩ ኢሉ።

ኣብ ለውጢ ክሊማ ዘሎ ህንጡይነትን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ምስ ፖሊስአን ብዝሳነ መደባት ብምስራዕ ነቲ ድሮ ስቅያት ዝፈጥር ዘሎ ጽልዋታት ለውጢ ክሊማ ምምካት ከምዘድሊ`ውን ዝጠቐሰ ጆ ባይደን፡ ህይወት ዝወስድ ዘሎ ግጭታት ኣብ ምዕራፍ `ውን ክስራሕ ከም ዝግባእ ተዛሪቡ፡

"ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘሎ ዋጋ ህይወት ዝሓትት ዘሎ ግጭታት ንምውጋድ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ቀጻሊ ዝኾነ ናይ ጽምዶ ዲፕሎማሲ የድሊ፡ ቀሊል`ዩ ዝብሃል ነገር የለን- ግን ኣሜሪካ ኣብ ሓድነትን ሓባራዊ ምክብባርን ዝተመርኮሰ ሽርክነት ንምምዕባል ድልውቲ`ላ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ተረኺቡ ዘስምዖ መደረ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብታ ኣህጉር ዘሎ መንፈስ ሽርክነት ንግድን ምሃዝነትን እምነት ኣለና፡ ብድሆታት ኣብ ቅድሜና እንተሃለዉ`ኳ፡ ሃገራትና ህዝብና ከምኡ`ውን ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ስራሕ ንምዕማም ተዳሊና ኣለና ኢሉ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

ፕረ.ባይደን ተሳትፎ ሃገሮም ኣብ ዓለም ከምዝውስኽ ሓቢሮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:05 0:00


XS
SM
MD
LG