ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ዝተሓሰየ ቁጠባ ንምሕዋይ ዝተዋህበ ሓገዝ ረብሓን ብፅሒትን ከምዝዕዘቡ ተሓቢሩ


ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ብኮሮና ቫይረስ ዝወረደ ማሕሰይቲ ንምሕዋይ ተባሂሉ ዝፈረምዎ ሓገዝ 1.9 ትሪልየን ዶላር ምምሕዳሮም ኣብ ናእሽቱ ትካላት ንግዲ ዝህልዎ ረብሓን ብፅሒትን ንምዕዛብ ናብ ሓውሲ ከተማታት ፊላደልፊያ ሎሚ ሰሉስ ክኸዱ እዮም።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃዉስ ጄን ሳኪ ቀንዲ ትኹረት ባይደን፣ እቲ ህይወት ኣድሕን መደብ ንዉሑዳን ዝውንንዎም ትካላት ሓዊሱ ከመይ ኣብ ናእሽቱ ትካላት ንግዲ ይከፋፈልን ከመይ ዳግም ሰራሕተኛታት ቆፂሮም ንደሕንነቶም ብዘየሰክፍ መልክዑ ክሰርሑ ይኽእሉ ዝብሉ ምንቅስቃሳት ንምዕዛብ ምዃኑ ገሊጻ። ብተመሳሳሊ ምኽትል ፕረዚደንት ካምላ ሃሪስን በዓል ቤተንን ድማ ክታበት ኮቪድ 19 ዝወሃበሎም ክሊኒካት ድሕሪ ምዕዛቦም ምስ ወነንቲ ናእሽቱ ትካላት ንግዲ ኮሎራዶ ሎሚ ሰሉስ ክራኸቡ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG