ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ስርዓት ባንኪ ኣመሪካ ውሑስ ምዃኑ ሓቢሮም


ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንስርዓት ባንክቲታት ኣመሪካ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቲ ስርዓት ውሑስ ከምዝኾነን ከፈልቲ ግብሪ ኣብ ጸገም ዝርከባ ክልተ ባንክታት ንኣውፈርቲ ከምዘይገድፍዎም ሓቢሮም።

ባይደን ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ "ነቲ ዝተፈጠረ ሕንፍሽፍሽ ምኽኒያት ዝኾኑ ምሉእ ብምሉእ ተሓተቲ ንምግባርን ናብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ዳግም ከይንኣቱ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ባንክታት ቁፅፃርን ሕግን ንምሕያል ብትሪ ቆሪፅና ኢና’’ኢሎም።

ሚንስትሪ ገንዘብ ኣመሪካ ብወገኑ ኣብ ካሊፎርኒያ ዝመደብሩ Silicon Valley Bankን ኣብ ኒው-ዮርክ ዝመደብሩ Signature Bankን ገንዘቦም ዘቐምጡ ኩሎም ዓማዊል ሎሚ ሶኑይ ገንዘቦም ክረኽቡ እዮም ኢሉ።

ብዛዕባ ፋይናንሳዊ ኩነታት ባንኪ ሲሊከን ቫሊ ስኽፍታታት ምስ ተሰምዐ ገንዘቦም ኣብቲ ባንክ ዘቐምጡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደ ግዜ ገንዘቦም ምውፃእ ምስ ጀመሩ ፋይናንሳዊ ተቖፃፀርቲ ኣመሪካ ነቲ ባንኪ ተቖጻጺሮምዎ።

ፍሽለት ኣስታት 200 ቢሊዮን ዶላር ሃብቲ ናይ ዘለዎ ባንኪ ሲሊከን ቫሊ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ካልኣይ ዝዓበየ እዩ።

ሲግነቸር ባንኪ እውን ኣብ ክሪፕቶካረንሲ ሓዊሱ ዝዓበየ ክፋል ዓማዊሉ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዘተኮረ እዩ። እቲ ልዕሊ 100 ቢሊዮን ዶላር ዝኸውን ሃብቲ ዝነበሮ ፍሽለት ኣብ ታሪኽ ናይታ ሃገር ብዕብየቱ ሳልሳይ እዩ።

ባንክ ኦፍ ኢንጊላንድ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኩሉ ናይ ዓማዊል ገንዘብ ውሑስ ምዃኑ ብምሕባር ኣብ ብሪጣንያ ባንኪ ስሊከን ቫሊ ስሩዕ ስርሑ ከምዝቕፅል ሓቢሩ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG