ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ መጥቓዕቲ ሳይበር ከተካይድ ትኽእል'ያ ኢሎም


ፕረ.ባይደን
ፕረ.ባይደን

ሩስያ፣ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈጸመቶ ወራር ራብዓይ ሰሙን ኣብ ዝሓዘሉ ሕጂ እዋን መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ረብሓታት ኣመሪካ ሳይበራዊ መጥቓዕቲ፣ ኣብ ዩክሬን ድማ ኬሚካላዊን ቅመማዊን ኣጽዋራት ክትጥቀም ትኽእል እያ ኢሎም።

ትማሊ ሰኑይ ርእይቶ ዝሃቡ ባይደን "መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑትን፣ ነቲ ኣብ ዩክሬን ዝፈጸምዎ ወራር፣ ከምዚ ዝኣምሰለ ዓለምለኸ ግብረ መልሲ መኸተ ከጓንፈኒ እዩ ኢሎም ኣይተጸበዩን ነይሮም፣ ምስ መንደቕ’ዮም ተላቲሞም" ኢሎም።

ወነንቲ ትካላትን ሰብ ሃብቲን ንገዛእ ርእሶም ካብ መጥቃዕቲ ሳይበር ንክከላኸሉ’ውን ጸዊዖም።

XS
SM
MD
LG