ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ምስ ኣቦ መንበር ሕ/ኣፍሪቃ ፕረ.ሳል ተዘራሪቦም


ፕረ.ባይደን ምስ ኣቦ መንበር ሕ/ኣፍሪቃ ፕረ.ሳል
ፕረ.ባይደን ምስ ኣቦ መንበር ሕ/ኣፍሪቃ ፕረ.ሳል

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዋዕላ ሃገራት ጉጅለ-7 ምስ ፕረዚደንት ሰነጋል ማኪ ሳል ተራኺቡ ኔሩ። ፕረዚደንት ሰነጋል ናይዚ እዋን ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ`ዩ። ብመሰረት ብዋይት ሃውስ ዝተዘርግሐ መግለጺ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ኩናት ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ዘውርዶ ጽልዋ ውሕስነት መግቢ ዘትዮም። ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ምይይጥ፡ መግለጺ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 7 ንውሕስነት መግቢ ንምሕጋዝ ብዛዕባ ክግበር ዝግብኦ ጻዕርታት ከም ዝጥምት`ውን ምጥቃሱ ዋይት ሃውስ ሓቢሩ`ሎ።

ባይደንን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ማኪ ሳልን፡ ብዛዕባ ሽርክነት ሃገራት ጉጅለ-7 ንዓለማዊ ትሕቲ ቅርጽን ወፍርን ብፍላይ ድማ ኣብ ሰነጋል ሓዲሽ ኢንዱስትሪ ክታበት ኮቪድ19 ንምትካል ብዛዕባ ዘሎ መደብ ተዘራሪቦም። እቲ ኢንዱስትሪ ኣብ ዓመት ሚልዮናት ክታበት ኮቪድ19ን ካልእ ሕማማትን ከፍሪ ዓቕሚ ከምዝህልዎ`ውን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

XS
SM
MD
LG